ጉጅለ-G7፡ ኤርትራ ሓይልታታ ካብ ትግራይ ከተውጽእ ጸዊዑ

2022-05-15 09:24:45 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 906 times

ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኣባል ሃገራት ጉጅለ-G7፡ ብ14 ጉንበት 2022 ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ዝወጸ መግለጺ፡ ኤርትራ ሓይልታታ ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ/ትግራይ ከተውጽእ ጸዊዖም። እቲ ካናዳ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኢጣልያ፡ ጃፓን፡ ብሪታንያን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ዝኣባላቱ ጉጅለ-G7 ብወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራቱ ኣቢሉ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብ 46 ጉዳያት ዘተኮረ ምንባሩ ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱ። እዚ ተወከልቲ ሕብረት ኤውሮጳ እውን ዝተሳትፍዎ ኣኼባ ብፍላይ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ብዙሓት ጉዳያት ጠቒሱ።

እቲ መግለጺ፡ ኣብቲ ንኢትዮጵያ ብዝምልከት ዝጠቐሶ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንዘይተወሰነ ግዜ ዝጸንሕ ኣብ ኩሉቲ  ጐንጽታት ዝተራእየሉ ከባብታት ሰብኣዊ  ሓገዝ ብዘይገደብ ምቕራብ ምእንቲ ክካኣል ንዝተገብረ ወግእ ጠጠው ምባል ደገፉ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኩሎም ወገናት ቀልጢፎም ናብ ውግእ ጠጠው ምባል ዘብጽሕ ዘተ ንክኣትዉ ጸዊዑ። (ኣብዚ እዋንዚ እቲ ምእንቲ ሓገዝ ምቕራብ ክከኣል ጠጠው ክብል ተባሂሉ ዝነበረ ወግእ መሊሱ ከይባራዕ ዘስግኡ ምልክታት ይረኣዩ ኣለዉ።)

እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ፡ ግህሰትን ዘይተሓታትነትን ካብቲ ክረአ ዝጸንሐ ጸገማት ምዃኑ ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ጥሕሰታት  ንምጽራይ ኣብ ዝግበር መርመራታት ንክተሓባበር ዝቐረበሉ ለበዋ ምቕባሉን፡ ነዚ ዝዓምምን ምስ ዓለም ለኻዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ዝተሓባበርን  ናይ ሚኒስተራት ሓይሊ ዕማም ምምስራቱን ደጊፉ። እዚ መስርሕ ናብ ፍትሕን ዕርቅን  ከብጽሕ ዘለዎ ተስፋ ከኣ ኣስፊሩ። እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡  ኣብ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ፖለቲካዊ መፍትሒ ንክመጽእ ክማላእ ኣለዎ ኣብ ዝበሎ፡ ኤርትራ ሓይልታታ ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከተውጽእ ጸዊዑ። ካብዚ ሓሊፉ ደርቂ እውን ንኢትዮጵያ ካልእ ፈተና ኮይንዋ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።

እዚ ብዛዕባ ወራር ሩሲያ ናብ ዩከረይንን ኣኸቲልዎ ዘሎ ሳዕቤንን ብሰፊሑ ዝዘርዘረ መግለጺ ውጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ጉጅለ-G7፡ ንሱዳን ኣብ ዝምልከት እውን ጠቒሱ። ኣብቲ ንሱዳን ብዝምልከት ዝገለጾ፡ ኣብታ ሃገር ንቡር ሰላም ንምስፋን ብሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ዝግበር ዘሎ ምትሕብባር ንኢዱ። ንሱዳን ብቑጠባን ካልእ መዳያትን ምሕጋዝ ንክከኣል ዘተኣማምን ሲቪላዊ መንግስቲ ምትካል ከም ዘድሊ ገሊጹ። ኩሉ ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ዓመጻት ጠጠው ክብል፡ ብዘይቅቡል ምኽንያት ተኣሲሮም ዘለዉ ክፍትሑን ድሕሪ ሕጂ ጃምላዊ ማእሰርቲ ጠጠው ክብልን ድማ ጸዊዑ። ኣብ ሱዳን ተወሲኑ ዘሎ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ክለዓል ከኣ ኣትሪሩ ጸዊዑ። ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ ሲቪላዊ ኣካል ሱዳን ብወገኑ ኣብቲ ዝግበር ዘተ ንኹሎም ወገናት ዘቀራርብ ናይ ሓባር ፍታሕ ንምርካብ ክጽዕር ጸዊዑ።

Last modified on Sunday, 15 May 2022 11:31