መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረዲአት ናብ ትግራይ ንክበጽሕ፡ ግጭት ጠጠው ከምዘበለ ኣፍሊጡ

2022-03-25 19:13:28 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 837 times

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረዲአት ናብ ትግራይ ዝበጽሓሉ ኩነታት ንምፍጣር ግጭት ጠጠው ከምዘበለ ናይቲ መንግስታዊ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን ብ24 መጋቢት 2022 ኣፍሊጡ። እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ ናብ ትግራይ ዝቐርብ ሰብኣዊ ረዲአት ምእንቲ ክቀላጠፍ መንግስቲ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ይወስድ ከም ዘሎ እውን ሓቢሩ።

በቲ መግለጺ መሰረት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ትግራይ ዝገብሮ ናይ ነፈርቲ በረራታት ክውስኽ፡ ረዲአት ንዘቕርቡ ለገስቲ ኣካላት ዝኸውን ናይ ነዳድን ገንዘብን ቀረብ ብስሩዕ ዝቕጽለሉ መንገዲ ከም ዝፍጠር ጠቒሱ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ  ኮሚተ ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስልቀል፡ ትካል ጥዕና ዓለምን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ረዲአት ትካላትን ናብ ትግራይ ሓገዝ ምቕራብ ንክኽእሉ ናይ ነፈርቲ በረራታት ተሰሪዑ ከም ዘሎ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። ካብዚ ሓሊፉ መንግስቲ ብመሬት ብመስመር ኣብዓላ-መቐለ ረዲአት ዝቐርበሉ ኩነታት ንምጥጣሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣብዚ መግለጺኡ ኣስፊሩ።

እቲ መግለጺ ኣብዚ እዋንዚ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ሰብኣዊ ረዲአት ንምርካብ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ይፈልሱ ከም ዘለዉ ከኣ ጠቒሱ። በዚ መሰረት ጐራባብቲ ትግራይ ዝኾኑ ወገናት ንህዝቢ ትግራይ ዝገብርሉ ዘለዉ ኣቀባብላ፡ ናይቲ ህዝብታት ሕውነትን ሓድነትን መንፈስ ዘርኢ ምዃኑ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ህዝቢ ትራይ ካብ መንበሪኡ ከይተመዛበለ ሓገዝ ክበጽሖ እንከሎ ካብ ምክልባት ከም ዘድሕን ተጠቒሱ።

ስለዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይዚ ኣብ ጸገም ዘሎ ህዝቢ ሽግር ምፍታሕ ካብ ዝኾነ ነገር ንላዕሊ ቀዳምነት ከም ዝህቦ ብምርዳእ፡ ናብ ትግራይ ዝቐርብ ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲአት ብቕልጡፍን በቐጻልን ንምስላጥ ኩሉ ዝከኣሎ ዘበለ ጻዕሪ ክገብር ድልዊ ምዃኑ  በመንግስታዊ መግለጺ ተሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እዚ ምእንቲ ሰብኣውነት ግጭት ናይ ምቛም ውሳነ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዘመሓይሾ፡ ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ቀጻሊ ብዘይተወሳኺ ደም ምፍሳስ ቀዋሚ መፍትሒ ከምጽእ ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ዝተፈላለዩ ወገናት ንስጉምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይድግፍዎ ኣለዉ። እንተኾነ ካብ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮ ብምንቃል ኣብ ምትግባርን ዘይምትግባርን ናይዚ ውሳነ ስግኣት ኣለዎም። ብወገን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን፡ ጉጅለ ህግደፍን ዓፋርን ዝንጸባረቑ ዘለዉ መርገጻት ከኣ ዝያዳ ሻቕሎት ዘሕድሩ እዮም።

Last modified on Friday, 25 March 2022 20:32