ህልዊ ኩነታት ኣገልግሎት ሕክምና ኤርትራ  

2022-02-21 22:04:32 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 812 times

ኣብ ኤርትራ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ስለ ዝተዳኸመ፡ ሓደ ሓደ ኣብ ወጻኢ ሃገር ደቆም ወይ ኣዝማድ ዘለዉዎም ሰባት ካብ ኤርትራ ንኸወጽኡ ቪዛ እንተረኺቦም ናብ ሱዳን ኢትዮጵያን ካለኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ከይዶም ሕክምና ከም ዝረኽቡ ቢቢሲ (BBC) ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ምንጭታቱ ብምጥቃስ ሓቢሩ። ሳሕቲ ሒደት ሰባት ናብ ማእከላይ ምብራቕን ኤውሮጳን ዝወጽሉ ኣጋጣሚ ከም ዘሎ እውን እቲ ዜና ገሊጹ።

ኣብ መላእ ኤርትራ፡  ሕማም መንሽሮ እትምርምር ሲቲስካን (CT scan)  እትበሃል መሳርሒ ሓንቲ ጥራይ ኣብ  ሆስፒታል ኦሮታ ከም እትርከብ ኣብቲ ዜና ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡  እታ ሕክምናዊ መሳርሒት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ተባላሽያ ክኢላ ረኺባ ክሳብ እትዕረ፡ ኣዋርሕ ከም ዝወስደላ ኣብቲ ሆስፒታል ዝሰርሑ ክኢላታት ንቢቢሲ ሓቢርምዎ። ኣብ ኤርትራ  ብሓፈሻ ቀረብ ኤሌክትሪክ ስለ ዘየለ፡ ኣብ ሆስፒታላት ኣብ መንጎ መጥባሕትን ከም ሕርሲ ዝኣመሰለ ተሃዋሲ ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ሓይሊ መብራህቲ ከም ዝቋረጽ እውን   ምጭታት ቢቢሲ ይሕብሩ።

በቲ ናይ ቢቢሲ ዜና መሰረት፡ ካብ ከተማታት ከረንን ሓጋዝን ንኩነታት ሕክምና ዝምልከት ርእይቶኦም ዝሃቡ ነበርቲ፡ ኣብ ሆስፒታል ብስእነት ኤሌክትሪክ፡ ዓቕሚ ሰብ፡ ነዳድን መድሃኒትን ብዙሓት ሰባት ግዳይ ናይ ዝተፈላለዩ ሕማማት ከም ዝኾኑ ሓቢሮም። ገለ ሰባት'ውን ዝሓመመ ቤተሰቦም ሕክምና ንክረክብ   ንጀነሬተር ዝኸውን ነዳዲ ከቕርቡ ከምዝሕተቱ እቶም ምንጭታት ይዛረቡ። ካብቲ ቀንዲ ጸገማት ብትምህርቲ ኮነ ብመገሻ  ካብ ሃገር   ዝወጽኡ ክኢላታት ሕክምና ብስንክቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይጥጡሕ ምምሕዳር  ናብ ሃገሮም ከምዘይምለሱን ብኡ ኣቢሎም ከም ዝስደዱን ምዃኑ ኣብቲ ሓበሬታ ተጠቒሱ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ልዕሊቲ ነባር ሕጽረት ጥዕና ኤርትራ፡  ኽታበትን ካልእ መከላኸሊ ሜላታትን ዝተነፍጎ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ተወሲኽዎ፡ ኣገልግሎት ሕክምና ኤርትራ ኣብ ኣዝዩ ዝኸፈአ ደረጃ ከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ።

Last modified on Monday, 21 February 2022 23:14