ኤርትራዊ ኮለኔል ኣብ ውግእ ዓፋር ኢትዮጵያ ተቐቲሉ

2022-02-16 22:42:16 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1138 times

ደንጉዩ ዝበጸሓና ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፡ ኤርትራዊ ኮለኔል ዑቕባገርግስ ጸጋይ ሓደ ካብቶም ኣብ ኣትዮጵያ ክልል ዓፋር ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዝሞቱ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ዝነበረ ኮለኔል ዑቕባገርግስ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ከም ዝተቐትለ እቲ ዝተረኽበ  ሓበሬታ የረድእ።

ኮለኔል ዑቕባገርግስ ጸጋይ ድሕረ ባይትኡ፡ ፖሊስ ኮይኑ ቅድሚ ናብ ህዝባዊ ግንባር ምስላፉ ብፖሊሳዊ ሞያ ኣብ ምምሕዳር ኢትዮጵያ ንሓያሎ ዓመታት ዘገልገለ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ክሳብ ናይ ኮለኔል መዓርግ በጺሑ ሓደ ካብ ኣዘዝቲ ኣብያተ-ማእሰርቲ ከተማ ኣስመራ ከም ዝነበረን ደሓር ግና፡ ንሕያሎ ዓመታት “ደስኪልካ ድዩ ተጸልጺልካ” ተባሂሉ ካብ ስራሕ በዂሩ ዝጸንሐ ምንባሩ ይፍለጥ። ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ኣትዩ መውጽኢ ምስ ሰኣነ ከኣ፡ ንኮለኔል ዑቕባገርግስ ጸጋይ እውን ከምቶም ካልኦት ካብ ኣገልግሎት ኣብኲርዎም ዝጸብሐ፡ ኣገዲዱ ኣሰሊፉ መራሒ ክፍለ-ሰራዊት ኮይኑ ናብ ውግእ ኢትዮጵያ ክኣቱ ከም ዘገደዶን ኣብዚ ጌና ህይወት ብዙሓት ኤርትራውያን ዝቐዝፍ ዘሎ ውግእ ክልል ዓፋር ከም ዝተቐትለን ናይ ቀረባ ፈልጥቱ ይምስክሩ። ናይቶም መዓልቲ መዓልቲ “ብዝሓደሮ ሕማም ዓሪፉ” እዳተባህለ መርድእ ዝንገረሎም ዘሎ ኤርትራውያን ሰብ መዓርግ ኩነታት እውን ካብዚ ዝተፈልየ ከምዘይኮነ ናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ እምነት ኮይኑ ምህላዉ ካብዘረጋግጹ ምርትዖታት ድማ እዚ ሓደ እዩ።

ድሕሪ ህግደፍ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ትግራይ ኢድ ምእታዉ ንብዙሓት ብዕድመ ዝደፍኡን ካብ ውትህድርና ተገሊሎም ዝጸንሑን ኣገዲዱ ከእትዎም ሰፊሕ ወፈራ ኣካይዱ እዩ። ዝተወሰኑ ተገሪሆም ኣብቲ ውግእ ኣትዮም ምስ ምድፋእ ዕድሚኦም ነቲ ኩነታ ምጽዋር ስኢኖም ዝረግፉ ዘለዉ ኮይኖም፡ ኣዝዮም ብዙሓት ግና ነቲ መጸዋዕታ ተቓዊሞም ካብ ዓድታቶም ወጺኦም ፈቐዶ በረኻ ይነብሩ ከም ዘለዉ ካብ ዝተፈላልዩ ምንጭታት ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ። ብሰንክዚ ኣብ መንጎ እቶም ገፊፎም ከሰልፉ ዝተኣዘዙ ኣመሓደርቲ ኣካላትን ተገፊፎም ክስለፉ ፈቓደኛታት ዘይኮኑ ዕጡቓትን ሓያል ጽልእን ምፍጣጥን ተፈጢሩ ከም ዘሎ እውን  ምንጭታትና ሕቢሮም።

Last modified on Wednesday, 16 February 2022 23:46