ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2022-02-14 09:13:36 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 850 times

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ12 ለካቲት 2022 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብዚ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢ ዙም ዝተኻየደ ኣኼባኡ፡ ኣቦመንበር ፈጻሚ ሽማግለ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ናይ “እንኳ ደሓን መጻእኩም” ቃል ኣስሚዑ። ከም መእተዊ ከኣ እዋናውን ኣገደስትን ዝበሎም ሓበሬታታት ኣቕሪቡ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ናይቲ ኣኼባ ኣጀንዳ  ናብ ተሳተፍቲ ኣቕሪቡ ኣጽዲቑ።

 ድሕሪ ቃል ኣቦመንበር ፈጻሚ ሽማግለ ኣኼባ ኣብቲ ኣቐዲሙ ተዳልዩ ዝተዝርግሐ እሞ ኣባላት ፈጻሚ ከጽንዕዎ ዝጸንሑ፡ ጸብጻብ ኣብያተ-ጽሕፈት በብሓደ  ብዝርዝርዝ ተመያይጡ። ድሕሪቲ ዝርዝር ምምያጥን ኣድላይ ዝበሎ ምትዕርራያት ምግባሩን ከኣ ነቲ ጸብጻባት ኣጽዲቕዎ። ኣብቲ ጸብጻብ ተመስሪቱ ድማ ኣድላይቲ ዝበሎም ውሳነታት ወሲኑ። ብዘይካዚ ኣብ መጻኢ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ክትሰርሖ ዝግበኣ ናይ ሓጺር ግዜ ትልምታት ስኢሉ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ብዛዕባቲ ሰፊሕ ጽላል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ንምቛም ዝግበር ዘሎ ቀጻሊ ቃልስን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን መዚኑ። ኣብዚ ሚዛኑ እቲ መስርሕ  ተስፋ ኣብ ዝህብ ደረጃ ከምዘሎ ኣመልኪቱ፡ ኣብ መጻኢ ናብ ግራዊ ስራሕ ንምእታው ክተሓዙ ብዛዕባ ዝግበኦም ኣቕጣጫታት ኣሚቱ። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ቀጻሊ መስርሕ ምቛም ሰፊሕ ጽላል ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ንምብርካት ብውገን ሰዲህኤ እንታይ ምቅርራብ ክግበር  ከም ዝግበኦ’ውን ተመያይጡ።

ብኻልእ ወገን ከኣ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ እቲ ኣብ መንጎ ፖሓኤን ዓህምይን ዝካየድ ዘሎ ምቅርራባትን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጽን ተስፋ ዝህብን ክድፍኣሉ ዝግበኦን ምዃኑ መዚኑ ሰዲህኤ ኣብዚ መስርሕዚ እውን እጃሙ ከበርክት ቅሩብ ምህላዉ ኣመዝጊቡ።

Last modified on Monday, 14 February 2022 10:18