ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኤርትራ
2022-01-30 11:19:07 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1446 timesወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መጻኢ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ዝሓርፈፈ ዝምድናኡ ንምምሕያሽ ዘወጸኦ መደብ ዝሕብር ልሒኹ ዝወጸ ሰነድ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይቀባበላሉ ኣለዋ። እቲ ሰነድ ኣብ መበል 12 ገጹ ኣብ ቁጽሪ 4 ኣብ ዘስፈሮ፡ “ምዕራባውያን ሃገራት ምስ ኤርትራ ብዘለወን ኣዝዩ ሓርፋፍ ዝምድና፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ምስታፉ፡ ነቲ ኩነታት ከም ዝሓላለኾን፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጸጥታ ኢትዮጵያን ከባብን ኣሉታዊ ግደ ከም ዝነበሮን ብምጥቃስ ክኸስዎ ጸኒሖም። ሰራዊት ኤርትራ ካብ ውግእ ክልል ትግራይ ይውጻእ ዝብል ሓሳብ ብተደጋጋሚ ከቕርብዎ ዝጸንሑ ክኸውን እነከሎ፡ እዚ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ምዕራባውያን ሃገራትን ዝነበረ ሓርፋፍ ዝምድና ዝያዳ ኣሕርፊፍዎ እዩ” ይብል።
እቲ 51 ገጻት ዘለዎ ምላቕ ሰነድ ኣተሓሒዙ፡ ኣብ ኣብ ገጽ 15 ቁጽሪ 7፡2 ኣብ ዘስፈሮ ሓሳብ “ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ን20 ዓመታት ዝቐጸለ ናይ ኣይሰላም ኣይውግእ ኩነታት ንምብቃዑ ዝተፈጥረ ዝምድና ኩሎም ወገናት ብኣውንታ ተመልኪተምዎ ነይሮም። ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከኣ ነዚ ተኸቲሉ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝነበረ እገዳ ከም ዘልዓሎ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪኡ ዘምጸኦ ናይ ፖሊሲ ለውጢ የለን ብዝብል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ፖሊሲኡ ክቕይር ተጽዕኖ ክፈጥር ኣይከኣለን ብዝብል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅሬታ ኣሕዲሮም እዮም። ብፍላይ ንፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣዝዮም ስለ ዝጸልእዎን ካብ ስልጣኖም ክውገዱ ስለ ዝደልዩን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ምስኡ ምትዕርራኾምን ሰራዊት ኤርትራ ቀልጢፉ ምሉእ ብምሉእ ካብ ውግእ ትግራይ ብዘይምውጽኡን ዘቖጠዖም ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ንዝነበሮም እምነቶም እውን ፍሒቑዎ እዩ።” ይብል።
ካብዚ ሓሊፉ፡ እቲ ብዛዕባ ኣሉታዊ ተግባራት ኢሳያስ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክንድቲ ክብሎ ዝግበኦ ኣይበለን ተባሂሉ ብኣንበብቱ ዝንቀፍ ዘሎ ሰነድ፡ “ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዝፈጠረቶ ምትእስሳር ብኤውሮጳውያን ተቐባልነት ዘይምርካቡ ቀጻሊ እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ቀጻሊ እውን ንርክብ ኢትዮጵያን ሃገራት ኤውሮጳን ብሓርፋፉ ዘቐጽሎ ክኸውን እዩ።” ዝብል ሓሳብ ኣብ መበል 29 ገጹ ቁጽሪ 2 ኣስፊሩ ኣሎ።
ንሕናውን ከም ሰዲህኤ ካብ መጀመርታኡ ኣትሒዝና ነዚ ሕጂ ብሰነድ ደረጃ ዝዝረበሉ ዘሎን ዘስዕቦ ጥፍኣትን ህልቂትን ኣብ ግምት ከየእተና ኣይኮናን ዝምድና ኢትዮጵያን ኢሳያስን ትካላዊ ክኸውንን ግሉጽነት ክህልዎን ካብ ብጊሓቱ ከነመልከት ዝጸናሕና።