ኣብ ኢትዮጵያ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ዝምርምር ኣካል ክቐውም ይሕተት’ሎ

2021-12-17 13:15:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 855 times

ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ሓለዋ ሰብኣዊ መሰልን (ሁማን ራኢትስ ዎች) ዝተባህሉ፡ ክልተ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካላት ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል  ዘጻሪ ዓለም ለኻዊ ኣካል ክቐውም  ዝሓትት መግለጺ ከም ዘውጽኡ ሮይተርስ ብ16 ታሕሳስ 2021 ሓቢሩ ።  ክልቲኦም ሰብኣዊ ትካላት ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ጸጥታዊ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ይፍጽሙ ከም ዘለዉ ብምጥቃስ ከሲሶም።

እዚ ናይ 16 ታሕሳስ 2021 ናይ ሓባር መግለጺ፡ ካብቲ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ብጉዳይ ኢትዮጵያ ከካይዶ ዝመደቦ ኣኼባ ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሙ ዝወጸ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ናይ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣኼባ፡ “ፖለቲካዊ ተልእኮ ዘለዎ እዩ” ብዝብል ከም ዝተቓወሞን ካለኦት ሃገራት ከይሳተፈኦ ከም ዝጸወዐን ተፈሊጡ።

ትካላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ሓለዋ ሰብኣዊ መሰልን ኣብዚ ናይ ሓባር መግለጺኦም ቆላሕታ ዝሃብዎ፡ ብሓፈሻ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኮይኑ ፍሉይ  ግምት ዝሃብዎ ከኣ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ጥሕሰታት እዩ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ትግራይ ውግእ ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ትግራይን ኣምሓራን ናትና እዩ ኣብ ዝብልዎ፡ ቅድሚ ውግእ ኣብ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝነበረ፡ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ጃምላዊ ቅትለትን ደብዳብ ከበድቲ ኣጽዋርን  ኣዝዩ ሰፊሕ ምምዝባልን ስደትን ከም ዘስዓበ እዚ ናይዘን ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካላት ናይ ሓባር መግለጺ ጠቒሱ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቤት ጽሕፈ መተሓባበሪ  ሰብኣዊ መሰላት (ኦቻ) ብወገኑ፡ እቲ ውግእ ካብ ዝጅምር  ካብ ምዕራብ ትግራይ ብሓፈሻ ኣስታት 1.2 ሚልዮን ሰባት ከም ዝተመዛበሉ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ቀረባ መዕልታት ዝያዳ 10 ሺሕ ሰባት ካብ መረበቶም ከም ዝተመዛበሉ ሓቢሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ስግኣት ንተግባራት ምቕራብ ረዲአት ከም ዘየኽኣለ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ናይዘን ክልተ ዓለም ለኻዊ ትካላት ናይ ሓባር መግለጺ፡ ኣብ ወርሓት ሕዳርን ታሕሳስን 2021 ኣብ ልዕሊ 31 ሰባት በደል ከም ዝተፈጸመን ካብኣቶም እቶም 25 ነበርቲ፡ ኣደባይ፡ ሑመራን ራውያንን ምዃኖም ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ ሰባት ብስልኪ  ከም ዝሓበሩ ገሊጹ። እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ  ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ  ናይ ክልል ኣምሓራ ፖሊስ፡ ሚልሻን ፋኖን ዝተባህሉ  ጸጥታዊ ኣካላት፡  ኣብተን ኣቐዲመን ዝተጠቕሳ ሰለስተ ናይ ምዕራብ ትግራይ ከተማታት ንዝርከቡ ልዕሊ 15 ዝዕድሚኦም ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣባጽሕ ኣንዳኽበቡ ከም ዝኣሰርዎም ኣቃሊዑ።

ከምኡ እውን እቶም ዝተረፉ ናይተን ከተማታት ነበርቲ፡ ኣደታትን ህጽናትን፡ ብቐዋሚ ሕማማት ዝሳቐዩን ብዕድመ ዝደፍኡን  ዝርከብዎም  ከም ዝተሰጐጉ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ። ካብቶም ነብርቲ ሃዲሞም ናብ ማእከል ትግራይ ዝኸዱ ከም ዘለዉ እውን ተፈሊጡ። ከምቲ ናይተን ትካላት መግለጺ ዝጠቐሶ ብዛዕባዚ ፍጻመ እቲ መረጋገጺ ካብ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ናይ ሳተላይት ምስልታትን ከም ዝተረኽበ ኣፍሊጡ።

መግለጺ እዘን ትካላት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰባት ዝፍጸም ዘሎ በደላት ጠጠው ክብልን ብዘይኣገባብ ዝተታሕዙ ሰባት ክልቀቑን ኣዘኻኺሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ውድብ ሕቡራት ሃበራት ብወገኑ፡ ክሳብ ሎሚ ዝተፈጸመ ገበናት ዘጻሪ ዓለም ለኻዊ  ዘይሻራዊ ኣካል ብህጹጽ ከቕውም ጸዊዑ።

Last modified on Friday, 17 December 2021 14:21