መልእኽቲ  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2021

2020-12-31 22:47:53 Written by  ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ Published in EPDP News Read 3525 times

ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፡ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ብሓፈሻን!

ብስም መሪሕነትን ኣባላትን  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ): ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ፡ ንህዝብታት ከባቢናን ዓለምን ድማ ብሓፈሻ፡ እንቋዕ ናብ ሓድሽ ዓመት ኣሰጋገረና እናበልኩ፡ እንኣትዎ ዘሎና ዓመት 2021 ናይ ሰላምን ዓወትን ዓመት ክገብረልና እምነ።

ምስ ኩሉቲ መቐረታን ምረታን ን2020 ዛዚምና፡ ናብ ሓድሽ ዓመት ክንሰግር እንከሎና፡ ነቲ ዝሓለፍናዮ ተመኩሮታት፡ ጸጽቡቑ ክንዕቅቦን ከነማዕብሎን፡ ነቲ ግድላትን ጸገማትን ዝፈጠረልና ሽግራት ድማ ክንስዕሮ ዘኽእለና ዓመት ይምጽኣልና  እናበልና ኢና ን2021 እንቕበላ ዘሎና።

ዝሓለፈ ዓመት በቲ ንመላእ ዓለም ኣሻቒሉን ምንቅስቓሳቱ ደሪቱን ዝሓዘ፡ ምልባዕ ሕማም ኮሮና ቫይሩስ ተዓብሊሉ እዩ ጸኒሑ። ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 82 ሚሊዮን ሰባት በቲ ሕማም ተለኺፎም፡ 1.8 ሚልዮን ድማ ህይወቶም ስኢኖም ኣለዉ።  ንሕና ኤርትራውያን’ውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ንሃሉ ኣብ ግዳም፡ ካብ’ዚ ሕማምን ቅዝፈታቱን ናጻ ኣይጸናሕናን። ንዝሞቱ መንግሰተ ሰማያት የዋርሶም፡ ንዝሓመሙ ምሕረት የውርደሎም፡ ነቶም ብጥዕና ዘለዉ ድማ  ካብዚ ሓደጋ’ዚ ይዓቅቦም እናበልና ሰናይ ምንዮትና ንገልጽ። ነዚ ሕማም’ዚ ንምስዓር ነቶም ኣብ ቅድመ ግንባር ህይወት ንምድሓን  ሰፍ ዘይብል ሓላፍነት ተሰኪሞም ዝቃለሱ፡ ከምኡ’ውን ነቶም  ብገንዘብን ብጉልበትን ዝተሓባበሩ ወገናትና  ስለ’ቲ ዘርኣይዎ ሰብኣዊ ሓልዮትን፡ ኣበርክቶን ምስጋናና ነቕርበሎም። ርግጽ’ዩ እዚ ሕማም’ዚ ኣብ ማሕበራዊ መነባብሮ ሓድሽ ስልቲ ከም እንኽተል ገይሩ ኣሎ። ሎምዘበን ከምቲ ናይ ዓሚን ቅድሚ ዓሚን ከም ዘይከነ ተማሂርና ኣሎና።  ይኹን’ምበር ኩሉ ተስፋታት ተዓጽዩ ማለት ድማ ኣይኰነን።  እንሆ ሓድሽ ዓመት ኣብ ምጅማሩ፡ ብደረጃ ኣህጉር ተፈንዩ ክዝውተር ጀሚሩ ዘሎ ጸረ ኮቪድ-19 ክታበት (ቫክሲን)፡ ነቲ ሕማም ኣብ ምክልኻልን ኣብ ምስዓሩን ጠቓሚ ክኸውን’ዩ ካብ ዝብል ዕግበት 2021 ዝሓሸት ዓመት ክትከውን  ሰናይ ምንዮትና ንገልጽ።

በዚ ምልባዕ ኮሮና ቫይሩስ፡ ጸረ ምልካዊ  ዲሞክራስያዊ ቃልስና እውን ተጸልዩን  ምንቅስቓሳቱ ተደሪቱን እዩ። ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ከኣ፡ ነቲ ሕማም ዘምጽኦ ናይ ምድራት ኩነታት ናብ ፖሊቲካዊ ረብሓ ክቕይሮ ፈተነታት  ከካይደሉ ጸኒሑ። ንሕስያ ዘይብሉ ዕጽዋ ኣዊጁ፡ በዘይ ቀለብን ኣገልግሎትን ንህዝቢ ዓጽዩ ኣሳቕይዎ ። ንድሕነት ህዝቢ ዝተዋጽአ ገንዘብ ኣብዚ ኣትዩ ከይተባህለ ድሕሪ ምስዋሩ፡ ነተን ጠንቂ ምልባዕ ክኾና ዝኽእላ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣብ ምስፋሐንን ብሓደሽቲ እሱራት ምዕልቕላቐንን፡ ቀጺሉ። ነቲ ረድኤት ዝግብኦ ክፍልታት ህዝብና፡ ካብ ምንቅስቓሳት ብምኽልካል ኣደዳ ጥሜትን ስደትን ከም ዝኸውን ካብ ምግባር ኣይተቖጠበን። ንሱ ጥራይ ዘይኰነ ናብ’ቲ መናውሒ ስልጣኑ ዝጥቀመሉ ዘይምሕር ግዳማዊ ኲናት ናይ ምጥባስ ስራሓቱ እውን ቀጺልዎ እዩ።

ኩነታት ከም’ዚ እንከሎ ግን፡ ብመላኡ 2020 ኣሉታዊ ነይሩ ክበሃል ዝከኣል ኣይኰነን።  ኣወንታዊ ውጽኢት ዝተራእየሉ ምዕባለታት እውን ነይሩ እዩ። ኣብ ክሊ’ዚ ሃለዋት  ኣብ ለካቲት 2020  ብተበግሶ፡ ሓላፊ ማሕበር ትምህርትን ሕትመን ነፍሲ ይምሓር ውፉይ ሃገራዊ ነፍሰ-ሄር ብርሃነ ወልደገብሪኤል (ሱዳን-ናው) ዝተደረኸ ንደምበ ኤርትራዊ ተቓውሞ ዝጠርነፈ:  ሓባራዊ ዕዮ ክምስርትን ከደንፍዕን ዝህቅን፡  ብስምምዕ ለንደን ዝፍለጥ ውዕል ምውህሃዳዊ ዕዮ  ዝተኸተመሉን ኣብ ትግባረ ዝወዓለሉን ዓመት እዩ። ኣብ’ዚ ምጥርናፍ ዝተሰማምዑ ፖሊቲካዊ ሓይልታት፡ ሓባራዊ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ክምስርቱን፡ ኣብ ዲፕሎምስያዊ፡ ህዝባዊ፡ ፊናንሳዊ፡ ዜናዊን ሓበሬታውን መዳያት ሓይልታት ዕማም ኣዋፊሮም ብሓባር ክንቀሳቐሱ ምጅማሮም ካልእ ኤርትራዊ መለለይ ናይዚ ዓመት’ዚ እዩ።  

እዚ ተመክሮ’ዚ ኣብ ጉዕዞ ሓባራዊ ስራሕ ዓቢ ስጉምቲ ይኹን’ምበር፡ ጌና  ከነማልኦ ዘሎና ጉዳያት ስለዘሎ፡ ነዚ ዝተበጽሐ ናብ ዝበረኸ ንምስግጋሩ ብምሕላን ናይ መጽናዕቲ ሽማግለ ኣቚምና ንዋስኣሉ ምህላውና ኣወንታዊ እዩ። ኣብ 2021 ሽማግለ መጽናዕቲ ብእተካይዶ ሓባራዊ ስራሕ ናብ ዝለዓለ ጥርናፈ ክንበጽሕን፡ ናብ ዝበረኸ ኣድማዒ ስራሕ ክንሰጋገርን ትምኒትናን ትጽቢትናን እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብደረጃ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ብደረጃ ውዱብን ውልቃውን መድያ፡ ብደረጃ ምትእኽኻብ ምሁራትን፡ ተጣበቕቲ መሰል ደቂሰብን፡ ኣውራ ድማ ብዝተፈላለየ መዳያት ናብ ውሽጢ ኤርትራ ብዝፍኖ ናይ ቲቪ ኣገልግሎት ጸረ ምልካዊ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ዝዓበየላ ዓመት እያ። ርግጽ ጽልዋን ኣድማዕነትን ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ስርዓት ኤርትራ ክቕጽል ዝተፈላለየ ስልትታት ዝተጠቕመላ ዓመት ትኹን’ምበር፡ ብሚዛን ሓቂ ንምልካዊ ስርዓት  ኣብ ምሓንቖ ዘእተወት ዓመት ነይራ ክበሃል ይከኣል።

ክቡራት ደቂ ሃገር!

እዚ ዓመት ኣብ ጥቓ ምዝዛሙ፡ ብወርሒ ሕዳር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስትን ክልል ትግራይን ዓቢ ውግእ ተወሊዑ፡  ኣሽሓት ህይወት ወሲዱ። ስደትን ምዝንባልን ኣስዒቡ፡ እዚ ዘይበሃል ዕንወት ኣኸቲሉ ። እዚ ውግእ’ዚ ናይ ኢትዪጵያ ፖሊቲካዊ ቁርቁስ ተኸቲሉ ዝተባርዐ ይኹን’ምበር  ሰብኣዊ ህልቂት ካብ ምስዓብ ሰጊሩ፡ ዓሌታዊ መልክዕ ሒዙ ቀጺሉን፡ ንመላእ ዞባና ጽልዩን እዩ።   እቲ ብእዋኑ ስግኣት ከፈጥር ዝጸንሐ ዕርክነት ፕረዜደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶር. ኣብዪ ኣሕመድን ስዉር ስምምዓቶምን፡ ሕጂ ተጋሂዱ ነዚ ዞባ ኣብ ሓደጋ ኣእቲይዎ ይርከብ። ብዘይካ’ቲ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ዝዀነኖ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘውረድዎ ናይ ጨፍጨፋ  ወፍሪ፡ ንሃገርና ኤርትራ ኣካል ናይቲ ውግእ ኰይና ክትቅጽል ዝገበረ  ሓደገኛ ምዕባሌ ነይሩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንሰራውር ናይቲ ናብ ኲናት ዘብጽሐ ጐንጺ  ከም ናይ ኢትዮጵያ  ውሽጣዊ ጉዳይ እናፈለጠ፡ ነዚ ንሰራዊትናን ህዝብናን ናብ ግዳማዊ ፖሊቲካዊ ኩነታትን ውግእን ዝጠበሰ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ከም ዝኹንን ኣነጺሩ። ንሰራዊትን ህዝብን ኤርትራ ከኣ  ክቃወሙ ጸዋዒቱ ኣቕሪቡ እዩ።  ሕጂ እውን ኣብ’ዚ ሓድሽ ዓመት፡ ንዘይሓላፍነታዊ ምትእትታው መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ እናተቓወመ፡ ሰራዊትን ህዝብን ኤርትራ ነዚ ስርዓት ኣብ ምልጋስን፡ ንሰላም ኣብ ምጽዋዕን ቃልሶም ከሕንኑ  ይጽውዕ።  ኣብዚ ውግእ ብዘይካ ዕንወት ካልእ ረብሓን  ዝረብሕን የለን፡ ዝብል እምነት ኣለና።  ዝያዳ ውግእ ከኣ ዝይዳ ዕንወት የስዕብ። ንሕና ከም ኤርትራውያን ሳዕቤን ውግእ፡ ምክልባት፡ ስደት፡  ጽልእን ቅርሕንትን ምዃኑ ኣጸቢቕና እንፈልጦን ዝተመኰርናዮን ብምዃኑ፡ ንልዝብን ንሰላምን ዳግማይ ዕድል ክወሃብ ኢና እንደሊ። ዘዋጽኣና ኣብ ዘይጉዳያ ኢዳ ዘይተእቱ፡ ሓድነትን ብዙሕነትን  ህዝባ ዝሓለወት፡ ናጻን ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ምህናጽ እዩ። ኣባናን ኣብ ከባቢናን ሓባራዊ ሰላምን፡ ዕቤትን ንምርግጋጽ ከኣ ንተጓነጽቲ ሓይልታት ኢትዮጵያን ንማሕበረ ሰብ ዓለምን ሕጂ’ውን ንሰላም ዕድል ክህቡ ጸዋዒትና ነቕርብ። 

ኣብዚ ኩነታት’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡  ካብ ኣሉታዊ ሳዕቤን ናይዚ ውግእ ናጻ ኣይኰኑን። ንግፍዒ፡ ምክልባት ጥሜት ከምኡ’ውን ንሓደጋታት ምጭዋይን ማእሰርትን  ተቓሊዖም  ጸኒሖምን ኣለዉን።  ማሕበረ ሰብ ዓለም ብሓፈሻ፡ ትካላት ሕቡራት መንግስታት ንሰብኣዊ መሰልን ጉዳይ ስደተኛታትን ድማ ብፍላይ ፍሉይ ቆላሕታን ምክልኻልን ክገብሩሎም ቀጻሊ ጸዋዒትና እዩ።

ዝኽበርክንን ዝኸበርኩምን ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ!

ክቡራንን ክቡራትን ተደጋገፍቲ ስለፍና!

ከም መቐጸልታ ናይቲ ብ2019 ዘረጋገጽናዮ ሓድነት፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ እውን  ሓድሽ ሓድነት ብምርግጋጽ  ሰዲህኤ ናይ ሰለስተ ውዳበታት ድሕረባይታ ዘለዎም ኣባላት ዝሓቘፈ፡ ዓቢ ውድብ ከይኑ እዩ። ብቅዋም ዝግዛእን ንቅዋም ዝምእዘዝን፣ ኣብ ግዜኡ መሪሕነታዊ ኣኼባታቱን ጉባኤታቱን ዘካይድ፣ ኣብ መሪሕነታዊ ኣካላቱ ቀጻሊ ምቅይያር ንኽህሉ ብቅዋም ዘውሕስ፣ ንተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ብዝርኢ ኣብ ጉዕዞ’ቲ 50% መሪሕነታዊ ተኻፋልነት ምርግጋጽ ዝብል ውጥን፡ ድሮ 23% በጺሑ ምህላዉ፡ ተሳትፎ መንእሰያት ኣብ ሰልፍን መሪሕነትን ንምርግጋጽ ቀጻሊ ጻዕሪ ከካይድ ምብቅዑ፡ ብሳላ ኣባላቱ ምዃኑ፡ ኣብ’ዚ ሓድሽ  ዓመት ከይፈልጠናዮን ክብሪ ከይሃብናዮን ክንሓልፍ ኣይንኽእልን። ኣብ ምህናጽ ናይዚ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ፡ ነቶም ብኣካልን ብማሕበራዊ መድያን ናይ ሓገዝ ወፍሪ ብምክያድ ሰልፍና ከይተሰከፈ ክቅጽል ዘብቅዑ መንእሰያት፡ ነቶም ፊናንሳውን ሞራላውን ሓገዛት ብምውፋይ ሰልፍና ኣብዚ ደረጃ’ዚ ክበጽሕ  ዘበርከቱ ተደጋገፍቲ ልዑል ምስጋናና ነቕርበሎም።

ኣብ  መደምደምታ ነቶም ብሰንኪ ኮሮና ቫይሩስን ካልእ ሕማማትን ኣብ 2020 ዝተሰዉኡና ኣባላት ሰልፊ፡ ከምኡ’ውን ንስድራቤት ኣባላትን፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ንዝሓለፉ ቤተሰብን  መንግስተ ሰማያት የዋርሶም፡ ንኩሎም ኣባላትን ስድራ ቤታትን መወትቲ ድማ ጽንዓት ይሃብ እናበልና፡  ዓመት 2021 ብሰላም፡ ብዓወት፡ ብራህዋን ቅሳነትን ክትቅበለና፡ ንምነ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ  ከም ኣካል ናይ ኤርትራ ጸረ ምልካዊ ደምበ ተቓውሞ ክቕጽልን እጃሙ ከልዕልን እዩ።

ኤርትራ ነጻነታን ልዑላውነታን ሓልያ ንዘልኣለም ትንበር!

ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንስዉኣትና!

ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

 

Last modified on Friday, 01 January 2021 22:39