መግለጺ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ብምኽንያት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፣

2020-09-01 08:24:47 Written by  ተስፋይ ወልደሚካኤል Published in EPDP News Read 2650 times

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ!

 ኣብ ታሪኽ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ወሳኒ ተራ እትሕዝ መዓልቲ ባሕቲ መስከረም ምኽንያት ብምግባር፡ ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ መሪሕነቱን ኣባላቱን፡ ንመላእ ህዝቢ እንቋዕ ናብ መበል 59 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ተጋድሎና ኣብጽሓኩም ብማለት፡ ናይ ቃልስን ጽንዓትን ሰላምታ አመሓላልፍ።

ጅግና ተጋዳላይ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ዝመርሖም ኣዝዮም ውሑዳት ተጋደልቲ፡ ብኣዝዩ ውሑድ ኣጽዋር ተሰንዮም፡ ኣብ ውሱን ቦታታት ኤርትራ ዝጀመርዎ ብረታዊ ቃልሲ፡ ናይ ሰፊሕ ህዝቢ ደገፍን ተሳትፎን ክሕወሶ ብምኽኣሉ፡ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ሓያል ዝበሃል ዝነበረ ሰራዊት መግዛእቲ ክስዕሮን ናጽነቱ ከረጋግጽን በቒዑ እዩ።

እታ ኣብ ባርካ ኣብ ጎቦታት ኣዳል ብሓደ መስከረም 1961 ዝተወልዐት ንእሽቶ ቁልዒ ሰውራ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብምኽሳብ፡ ኣብ ሓጺር ዓመታት ናብ ዓቢ ባርዕ ማዕቢላ፡ ዘይምሕር ጸረ መግዛእታዊ ሃላሃልታ ሰውራ ኰይና እያ። እቶም ሸፋቱ፡ እቶም ውሑዳት ሰብ ብረት፡ እናተባህሉ ብምቁንጻብ ዝስመዩ ዝነበሩ ጀጋኑ ተጋደልቲ፡ ነቲ ብዘመናዊ ኣጽዋር ዝተዓጥቀ፡ ብሓይልታት መሬትን ባሕርን ኣየርን ዝደልደለ፣ ዓቢ ኣህጉራዊ ደገፍ ምዕራብን ምብራቕን ዝነበሮ፣ ብኣሽሓት ዝቑጸር ሰራዊት፡ ነቕነቕ ከብልዎ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ክስዕርዎ ክኢሎም እዮም። እዚ ሰውራ’ዚ ብቅደም ተኸተል እናተተኻኽአ ብ1991 ዓወት ዘርጋገጸ ሰውራ እዩ።

ካብ ጅግና ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ጀሚሩ ዝተኸፍለ መስዋእቲ፣ ዝተረኽበ ስንክልና፡ ከምኡውን ዝተወፈየ ጉልበታውን ንዋታውን ኣበርክቶ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፣ እቲ ዝበሃግናዮ፡ ኣስሊጡ እዩ’ሞ፣ ነቶም ምእንቲ’ዛ ሃገር ምእንቲ’ዚ ህዝቢ ዝተሰውኡ ዘልኣለማዊ ዝኽሪ፣ ነቶም ዓቢ ዋጋ ዝኸፈሉ’ውን ዓቢ ክብሪ ይብጻሓዮም።

እወ! ስላቲ ብባሕቲ መስከረም ዝተወልዐ ቁልዒ ሰውራ፡ ነቲ ዝንብርከኽ ዘይመስል ዝነበረ ስርዓት ኣንበርኪኽና ኢና። ሳላ ባሕቲ መስከረም ኤርትራዊ ህዝባዊ ሓድነትና ኣማሊእና ናጽነትና’ውን ኣረጋጊጽና ኢና። 

ግንከ ድሕሪ ናጽነት ጸገም ዝረኸብና ህዝቢ ኢና።

ከም ህዝቢ ደጊም ውዲእና፡ ሰላም ክነግስ፡ ሃገር ክትዕምብብ፡ ሩፍታ ድማ ክመጽእ’ዩ ኢልና።  ብሓቂ ውዱእ ዓወት ዘረጋገጽና መሲሉና ተገሪህና። እቶም ዝኣመንናዮም፣ ኩሉ ዓቕምና እንከላይ ህይወትና ዝሃብናዮም፣ ስለ ረብሓኦም ክብሉ ጠሊሞምና።  ተታሊልና፡ ተጋሂስና።  ድሕር’ቲ ዝተጨበጠ ናጽነት፡ ናጽነት ተሳኢኑ።  እታ ደቃ ዝኸፈለት ኣደ ተሓቢኣ ጸላም ተኸዲና ንድራር ዕለታ ክትልምን ተራእያ። እቲ ሕቡን ኣቦ፡ ኣብዚ ኣትዩ ከይተባህለ ተሰዊሩ፣ እታ መርዓት እቲ መርዓዊ፡ ነታ ኤርትራዊት መባእታዊት ስድራቤት ከይሃንጹ፡ ካብ ዳስ ናብ ኣገልግሎት ክጓረቱ ተራእዮም። ጾታዊ ዓመጽ ሳዕሪሩ። እታ መንእሰይ ክብረ ድንግልናኣ ተደፊራ። እቲ መንእሰይ ሕልናኡ ክሳብ ዝዓርብ ተቐጥቂጡ።  ኣብያተ ማእሰርቲ ካብ ኣብያተ ትምህርቲ በዚሑ። ህዝብና ብሓፈሻ ጾታን ዕድመን ብዘይፈሊ፡ ወዲ ሾብዓተ ይኹን ወዲ ሰብዓ ናብ ስደት ኣምሪሑ። ኣብ ጉዕዞ ስደት ከኣ ኣካላት መንእሰያትና ከም መለዋወጢ ኣቕሓ ኣብ ዕዳጋ ወሪዱ። ኣደን ህጻናን ኣብታ እትጥሕል መርከብ ዕትብቲ ከይተበትከ ከም ሓደን ከም ክልተን እንከለዉ ጥሒሎም።  ብሓጺሩ ነቲ ሓድሽ ህይወት ምስ ወላዲቱ ሞት ተቐቢላቶ።  ብዛዕባ ህይወት ኣብ ትሕቲ ምልኪ እንታይ ዘይተሰምዐ እንታይ’ከ ዘይተገብረ። ሃገር ክትነብራ ናብ እትፍራሕ ሲኦል ተቐይራ። ኤርትራዊ ህይወት ሞት እናንጸላልዎ ተጓዒዙ። ታሪኽ ላምፐዱዛ ካብ ኣእምሮና ክሕከኽ ዘይክእል መሪር ስምብራት ዝገደፈ ኣብነት እዩ።  

ሕጂ ድማ፡ ጉዳይ ልዑላውነትን ናጽነትን ኣብ ሓደጋ ከእቱ ዝኽእል ንሕቶ ናጽነት ከም ብሓድሽ ንድሕሪት ዝመልስ ወስታታት ንርኢ ኣሎና። ለካስ ኣብቲ ዕለተ ናጽነት እውን ተዘናጊዕና’ምበር ቃልሲ’ስ ኣይወዳእናን ኢና ኔርና።  ሓርነታዊ ቃልሲ ብኡንብኡ ክጅምር ነይርዎ። ግን ኩሉ ግዜ ተታሊልካ ኣይንበርን እዩ።  ጸላእትና ኣለሊና ኣሎና’ሞ ሕጂ’ውን ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ተጸሚድና ክንቅጽል ኢና።  

ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ብምሕዳስ ቃልሲ ንሓርነት ክንጐዓዞ ኢና።  

እቲ ዝጠለመና ስርዓት ድማ ከምኡ ኢሉ ክነብር ኣይክእልን እዩ። ኣብ ደንደስ ውድቀቱ ኣሎ። ህዝብና ነቲ ስርዓት ኣለልይዎ ኣሎ። ፖሊቲካዊ ውድባትና፡ ንካልኣዊ ፍልልያት ሰጊረን ብምውህሃድ ብሓንሳብ ክሰርሓ ኣዊጀን ኣለዋ። ምንቅስቓስ ይኣክልን፡ ሲቪላዊ ማሕበራትን ተጣበቕቲ መሰል ደቂ ሰባትን፡ ነዚ ጨቋኒ ስርዓት ንምውዳቕ ጸሚደን ኣለዋ። እዚ ምልክት ሕብረት ናይ ደለይቲ ፍትሒ እዩ። ቅድም ኣብ መድረኽ ናጽነታዊ ቃልሲ እውን እንተዀነ፡ እቲ ዝሰዓረ፡ ሓጺንን ብዝሒ ሰራዊትን ኣይኰነን፡ ህዝብን ስሙር ድሌቱን እዩ።   

ዘይፈርስ ህዝባዊ ሓድነት፡ ዘይሰዓር ሕልናን ተወፋይነትን ሕጂ’ውን ተዓዋቲ እዩ። ንሓርነታዊ ቃልሲ ንጽመድ።

ብእምነትና፡ ሓርነታዊ ዕወት ኣብ ልዳት በጺሑ እዩ። ቁሩብ ዝያዳ ንድፋእ እቲ ስርዓት ከምቶም ዝወደቑ መስልቱ ክወድቕ እዩ። እቲ ስርዓት ከምቶም ሓያላት ዝመስሉ ግን ብውሽጦም ዝበኽበኹ፡ በክቢኹ እዩ። እቲ ስርዓት ኣብ ቅድሚ ስሙር ህዝባዊ ሓይሊ፡ ስም እምበር ሓይሊ የብሉን።

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልሲ!

ውድቀት ንምልኪ!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣት ኤርትራ!

ሰዲህኤ

1 መስከረም 2020

Last modified on Tuesday, 01 September 2020 10:55