ኣብ ጀነቫ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራስን ኣብ ዝተኻየደ መበል 12 ርክብ ኤርትራ ኣብ ዝርዝርተን በደለኛታት ሰፊራ

2020-02-20 08:16:27 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2351 times

ኣብ መኽፈቲት እቲ ብ18 ለካቲት 2020 ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ንሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራስን ዝምልከት ኣኼባ ኤርትራ ኣብ ዝርዝር እተን በደል ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝፈጽማ ሃገራት ተጠቒሳ። ምስ ኤርትራ ኣብቲ ዝርዝር ዝሰፈራ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ቨንዙዋላ፡ ኢራን፡ ሩሲያን ካለኦት ጨቆንቲ መንግስታትን እየን። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እዘን ሃገራት ኣባላት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ምስ ኮና እውን ካብዚ ተግባራተን ከምዘይተቖጠባ ተጠቒሱ። እዘን ሃገራት ብዘይ ሕፍረት ነቲ ኣብዚ እዋንዚ ቻይና ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት ምስልምና ዝኽተሉ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣባላት ኡይግሁር ብሓይሊ ኣብ መደበ ንምስፋር ትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ ምድጋፈን ከኣ ብፍሉይ ኣብዚ ኣኼባ ተጠቒሱ።

ኣቶ ሂለል ኑየር ፈጻሚ ዳይረክተር ሓለዋ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣብ ጀነቫ ዝተጋብአ ኣስታት 700 ሰባት ዝተሳተፍዎ ርክብ ቃል ኣስሚዖም። ንሶም ብስም እተን ነዚ ቅድሚቲ እቲ ብ24 ለካቲት ክሳብ 20 መጋቢት 2020 ዝካየድ ዓመታዊ ኣኼባ ዘዳለዋ 25 ዓለም ለኻውያን ዘይመንግስታዊ ትካላት እዮም ቃል ኣስሚዖም። ዳንየል ክራቨትዝ ሓላፊ ናይቲ ንሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ብዝምልከት ዝከታተል ኣካል ሕቡራት ሃገራት ኣብ መበል 43 ዓመታዊ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ናይ ቃል ጸብጻብ ከቕርቡ ትጽቢት ኣሎ።

Geneva Summit for HR and Democracy 2

ኣብዚ ንሓደ መዓልቲ ዝተኻየደ መበል 12 ርክብ ጀነቫ፡ ተሓለቕቲ ዲሞክራሲ፡ ግዳያት ግህሰት፡ ምሁራትን ኣገደስቲ ባእታታትን ቃል ኣስሚዖም። ኣብ ከምዚ ኣኼባ ዝሳተፉ ሲቪል ማሕበረሰባት፡ ምስኣቶም ግዳያት ግህሰት ወይ በዚ ጉዳይ ተኣሲሮም ዝነበሩ የሳትፉ እዮም። ኣብዚ ዓመትዚ ኣፍሪቃ፡ ብግዳያት ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ተኸላኸልቲ መሰልን ካብ ማላውን ዲሞክራስያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎን እያ ተወኪላ።

እቲ ኩሉ ግዜ ዘሕዝን ኣብዚ ርክብ ካብ ኤርትራ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ግህሰት ከቃልዕ ዝኽእል ሲቪላዊ ማሕበር ወይ ግዳይ ዘይምንባሩ እዩ።

Last modified on Sunday, 23 February 2020 09:14