መራኽብ ኢትዮጵያ፡ መገሻአን ናብ ወደብ ምጽዋዕ ኣቋሪጸን

2019-10-31 09:13:32 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2588 times

ናይ ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ ትራንስፖርትን ሎጅስትክን ኣካያዲ ስራሕ፡ መራኽብ ኢትዮጵያ ናብ ወደብ ባጽዕ ምእታው ከም ዘቋረጻን ድሕሪ ሕጂ ናብኡ ከምዘይገሻን ሓቢሮም። እቶም ኣካያዲ ስራሕ ኣቶ ሮባ መገርሳ “ሸገር” ንዝተባህለት ሬድዮ ኤፍኤም ብ30 ጥቅምቲ 2019 ከም ዝገለጽዎ፡ ብወገን ኢትዮጵያ እዚ ናይ ምቁራጽ ስጉምቲ ዝተወስደ፡ መንግስታት  ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኣጠቓቕማ ወደብ ኣብ ናይ ሓባር ስምምዕ ክበጽሑ ስለ ዘይከኣሉ እዩ።

እዞም ኣካያዲ ስራሕ ኣብ ዝሃብዎ ዝርዝር መግለጺ፡  ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝምድና ክፍሊታት ብናይ ወጻኢ ሸርፊ ንጠቐም ዝብል ሓሳብ ክቐርብ እንከሎ፡ መንግስቲ ኤርትራ ግና ብሓደ ናቕፋ ኤርትራ ንክልተ ብር ኢትዮጵያ ሸርፊ ንጠቐም ስለ ዝበለ ኣብ ስምምዕ ከምዘይተበጽሐ ኣነጺሮም። ንሶም “እሞ መዓስ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ እቲ መስርሕ ተመሊሱ ክቕጽል ይኽእል”? ዝብል ሕቶ ቀሪብሎም ክምልሱ እንከለዉ “ ኣብ ቀረባ ግዜ ንሰማማዕ ኣይመስለንን” ዝብል መልሲ እዮም ሂቦም።

ነዚ ኣብ መንጎ ህግዲፍን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተጀመረ ዘይግሉጽን ዘይትካላውን ዝምድና ብቐረባ ክከታተልዎ ዝጸንሑ ናይቲ ሰክተር ክኢላታት፡ እዚ ምቁራጽ ኣብ መራክብ ዝድረት ዘይኮነ፡ ናብ ከም መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከይልሕም ዘለዎ ስግኣት ይገልጹ ኣለዉ።

Last modified on Thursday, 31 October 2019 10:17