ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ፡ ዓመታዊ መደባቱ ኣጽዲቑ

2019-10-14 06:53:40 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2464 times

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ12 ጥቅምቲ 2019 ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብ ኣኼባኡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ዓመታዊ መደባትን ኣገባብ ኣተገባብራኡን ብደቂቕ ተመልኪቱን ኣጽኒዑንቑ። ንድፊ ናይቲ ዝጸደቐ ዓመታዊ መደባት፡ ኣቐዲሙ ናብ ኣባላት ፈጻሚ ኣብያተ ጽሕፈት ተዘርጊሑ ኣብ ልዕሊ ምጽንሑ፡ ኣኼባ ብደቂቕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ንድፊ ብምምይያጥን ኣድላይ ዝበሎ ምምሕያሻት ድሕሪ ምግባር እዩ ኣጽዲቕዎ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ከኣ ዝርዝር ናይተን ነዚ መደብ ዕዮ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝቖማ ምምሕዳራት ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ብግቡእ መርሚሩ ኣጽዲቑ።

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ኣብዚ ኣኼባኡ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ውድባትን ግንባራትን ዝራኸባ ናይ ዘተ ሽማግለታት ኣቚሙ፡ ነተን ኣብ ስራሕ ዝጸንሓ ከኣ ኣሕዲሱ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኣኼባ ነቲ ኣብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰዲህኤ ንሓድነት ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ብዝምልከት ዝተወሰነ ውሳነታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘለዎ ቅሩብነት ኣረጋጊጹ።

ኣኼባ ኣብ ርእሲዚ ዝተጠቕሰ ዛዕባታት፡ ብሓፈሻ ኣብ ዓለምን ዞባናን ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ዳህሲሱ፡ ብፍላይ ከኣ ጉጅለ ህግዲፍ ዝኽተሎ ዘሎ  ክብርን ልዑላውነትን ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ንህዝቢ ኤርትራ ዘዋርድን ዘንዕቕን ኣካይዳ ዳህሲሱ ዘለዎ ተቓውሞን ቁጠዐን መዚኑ። ኣብ ርእሲዚ፡ ምስ ኩሎም ኤርትራዊ ሰልፍታትን ውድባትን ብሓባር ኮንካ ኣዕናዊ ኣካይዳ ናይቲ ጉጅለ፡ ዝምከተሉ ኣገባብ ርእዩ።

እዚ ብመሰረት ቅዋም ሰልፊ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 4 ኣዋርሕ ስሩዕ፡ ከም ኣድላይነቱ ድማ ፍሉይ ኣኼባታት ዘካይድ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ኣኼባኡ ክዛዝም እንከሎ፡ ኣባላት ሰልፍን ኩሎም ኣብ ለውጢ ረብሓ ዘለዎም ኤርትራውያንን ጉጅለ ህግዲፍ ንምውጋድ ኣብ ዝካየድ ቃልስን፡ መደባት ሰዲህኤ ኣብ ግብሪ ኣብ ምውዓል ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ ብትግሃትን ትብዓትን ክሳተፉ ጸዊዑ።

Last modified on Monday, 14 October 2019 08:57