ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርት፡ ብድምቀት ተጸንቢሉ፡

2019-08-07 08:23:46 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2953 times

ብመኸሰብ ዘይብሉ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ኣካላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ኤውሮጳን ዝሰናዳእ ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራዊ፡ ኣብ 2 ክሳብ 4 ነሃሰ 2019 ኣብ ፍራንክፈርት ብዓወት ተጸንቢሉ። ኣብዚ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ካብ 9 ሃገራት ኤውሮጳን፡ ካብ ኣወስትራልያ፡ ካብ ሕቡራተ መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ተሳቲፈምዎ። ናይ ሎምዘመን ፈስቲቫል፡ ነቲ “ድምጽና ኣብ ቃልሲ ድሕነት ህዝብና ምእንቲ ክስማዕ ሓቢርና ነድምጽ” ኣብ ትሕቲ ዝበል መሪሕ ጭረሖ ዝተኻየደ ሓድነታዊ ጉባአ ሰዲህኤን ሃድኤ-ሕድርን ተኸቲሉ ዝተጋበአ እዩ።

festival 2

እቲ ኣገዳሲ ዛዕባ ናይዚ ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ ፈስቲቫል፡ እቲ  ብ3 ነሃሰ 2019 ብተሳትፎ፡ ኣሓት ጀርመናዊ ሰልፍታት፡ ወከልቲ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን ማሕበራትን፡ መሪሕ ግደ ዝጻወቱ ዘለዉ ኤርትራዊ ሚድያታት፡ ተለቪዥ ኣሰናን ተለቪዥን ኤሪ-ሳትን ዝተሳተፍዎ ናይ ዘተ መኣዲ ነይሩ።

Festival 31

       ኣቦ መንበር ኤዲማ፡ ኣወሃህዲ መደባት፡ ምስ ጀርመናውያን ወከልቲ፡ ክዲሕን ነዲሰን ኣብ መድረኽ ፈስቲቫል

ኣብቲ ኣጋጣሚ ብኣተሓባበርቲ መድረኽ፡ ወ/ሮ ኣድያም ተፈራ፡ ኣቶ ግርማይ ዘሚካኤልን ፕረሲደንት ዲማኤ ኣቶ ተስፋማርያም ክብረኣብን ናይ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ቃል ቀሪቡ። ኣቶ ተስፋማርያም ክብረኣብ ኣብቲ ኣጋጣሚ ነቶም ወጸዋዕታ ኣኽቢሮም ኣብቲ ኤርትራዊ ፖለቲካውን ባህላውን ፈስቲቫል ዝተሳተፉ፡ ብተሳትፎኦም ሕጉስ ምዃኑ ብምጥቃስ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ።

Festival 4

  ነቶም ብዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣብ መድረኽ ቃሎም ዘስምዑ ባእታታት ዘርኢስእሊ።

ድሕሪ’ቲ ናይ ምሕዝነትን ምትሕግጋዝን ቃል ወ/ሮ ሉራ ክኒየሪዩ ወኪል ክርስትያናዊ ዲሞክራስያዊ ሕብረትን፡ ወ/ሮ ካተሪና ስቸረይነር ወኪል ነጻ ዲሞክራስያዊ ሕብረትን ዝተፈላለዩ ኣካላትን ምስቶም ወደብቲ እቲ መድረኽ ዘለዎም ምሕዝነትን ክሳብ ውድቀት ገበነኛ ስርዓት ኤርትራ ንክቃለሱ ዘለዎም ድልውነትን ንምግላጽ ዝተፈላለዩ ተዛረብቲ ናብ መድረኽ ተዓዲሞም።

Fetival 5

  ኣቦመንበራት ናይተን ዝሰመራ ውድባት ዝነበሩን ሓድሽ ኣቦመንበር ሰዲህኤን ኣብ መድረኽ

 ኣቦመንበራት ነበር፡ ናይተን ዝሰመራ ኣሓት ውድባት፡ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮምን ኣቶ ክፍለዝጊ ገብረመድህንን ብዛዕባቲ መስርሕ ጉባአ ሰፊሕ መደረ ኣብ ልዕሊ ምቕራቦም፡ ነቲ ኣብ ወስባደን ጀርመን ኣብ ዝተኸየደ ጉባአ፡ ዝተወሰነ 12 ነጥብታት ዝሓቖፈ ፖለቲካዊ ውሳነታት እውን ኣንቢበምዎ። ኣብ ርእሲ’ዚ ነቲ ሓድሽ ዝተመርጸ ኣቦመንበር ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ናብ መድረኽ ዓዲመምዎ።  ሓድሽ ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ኣብቲ ናይ ፈስቲቫል መድረኽ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ሓያል ውዱብ ቃልሲ ጠቒሱ፡ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ኣብዚ ናይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ቃልሲ ንክሳተፉ ብትሪ ጸዊዑ።

ኣንበሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ካብ ኤርትራዊ መድረኽ ኣብቲ ኣጋጣሚ መደረ ኣስሚዑ። ንሱ ኣብቲ መደረኡ ኣብዚ እዋንዚ ናይ ኤርትራውያን  ሓይልታት ለውጢ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ቀዳምነታት ክኾኑ ዝግበኦም ጉዳያት ኣስፊሩ።  ኣቶ ኣቤል ሃይለ ካብ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ (ኤሓፍ) ብወገኑ፡ ምስዚ ሰሚሩ ዘሎ ሰዲህኤን ካለኦት ኣካላትን ኮይኖም ዕምሪ ወጽዓ ኣብ ኤርትራ ንምሕጽጻር ክቃለሱ ዘለዎም ድልዉነት ኣረጋጊጹ። ኣቶ ባህታ ሃይለማርያም ከኣ ብስም እቲ 18 ኤርትራዊ ውድባት ዝሓቒፈ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝተዳለወ ናይ ምሕዝነት መልእኽቲ ኣንቢቡ። ኣቶ ክብረኣብ ምስግና ድማ ብስም’ቲ 4ተ ውድባት ዝኣባላቱ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ) ናይ ምሕዝነት መልእኽቱ ኣስሚዑ። ኣቶ የማነ ተስፋይን ብወገኖም ብቕደም ሰዓብ፡ ብስም ህዝባዊ ምጥርናፍ ሽቱትጋርት ቃሎም ኣስሚ

ደጋፊት ዲሞክራስን ኣብ ጉዳይ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝነጥፋን ወ/ሮ ኣልጋነሽ ገብረን ወ/ሮ ሳልዋ ኑርን ብወገነን፡ ብዛዕባቲ ኣብ መስርሕ ዘሎ ቃልሲ ኤርትራውያን ንዲሞክራሲ ቃለን ኣስሚዐን። ኣቐድም ኣቢላ ከኣ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካ ኣብ ናይ ለውጢ ቃልሲ እትነጥፍ መንእሰይ ኣድያም ሃይለ ሩፋኤል ብወገና ብዛዕባ ህልዊ ኤርትራዊ ቃልስን ዘጋጥሞ ዘሎ ብደሆታትን መሳጢ ቃል ኣስሚዓ።

Fetival 6

ካልእ ካብ ናይ ቀዳም መድረኽ ፈስቲቫል፡ ብመስራቲ ሚድያ ኣሰና ኣማኑኤል እያሱ ዝተመርሐ፡ ትምህርታዊ ዘተን ምልውዋጥ ሓሳባትን ነይሩ። ተሰተፈቲ እዚ ዓውደ-ዘተ ምስ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል እያሱ፡  (ካብ ጸጋም ናብ የማን) ብርሃነ ደበሱ፡ ክፍለዝጊ ገብረመድህን፡ ኣድያም ተፈራን  መንግስተኣብ ስመሮምን እዮም።

Fetival 7እቶ ቃሎም ዘስምዑ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝነጥፉ ዘለዉ፡ ኣማኑኤል እያሱ ካብ ኣሰናን ዮኤል ኪሮስን ሳምሶን ሰለሙንን ካብ ኤሪ-ሳትን ምስ ፈስቲቫል ኤርትራ ዘለዎም ምሕዝነትን ሰናይ ትምኒቶምን ብምጥቃስ ሓሳቦም ገሊጾም።  

Festival 8

 

ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ንእዋናዊ ጭረሒ “ይኣክል” እናቃልሑ 

Last modified on Wednesday, 07 August 2019 17:57