ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ሓድሽ ኣቦመንበር ሰልፊ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) መሪጹ

2019-08-03 04:39:19 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3989 times

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ኣዳራሽ እቲ ብ2 ነሃሰ 2019 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቦከንህይም ዝተጀመረ ፈስቲቫል ኤርትራ፡ ንሓድሽ ኣቦመንበሩ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) መሪጹ። ተስፋይ ደጊጋ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ዝተናወሐ ናይ ናጽነትን መጻኢ ዲሞክራስን ዝቃለሱ ዘለዉን ዓብይ ክብሪ ዘለዎን ሓርበኛ እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ባይቶ፡ ኣብዚ ኣኼባኡ  በቲ ሓድሽ ኣቦመንበር ብዝቐረበሉ ዝርዝር ሕጹያት ሸሞንተ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ መሪጹ።

እቲ 35 ቀወምትን 5 ተጠባበቕትን ዝኣባላቱ ማእከላይ ባይቶ ብ2  ነሃሰ 2019 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፡ ብነባር ኣባል ባይቶ ብጻይ ወልደየሱስ ዓማር ተመሪሑ ኣብ ዘካየዶናይ መጀመርያ ኣኼባኡ እዩ ኣቦመንበር መሪጹ።  እዚ ሓድሽ ኣቦመንበር ተወዳዳሪ  ዘይነበሮ፡ ነቲ ሓላፍነት ዝምጥን ብቑዕ ብምንባሩ ብምሉእ ድምጽን ኣዝዩ ዝሞቐ ደገፍን እዩ ተመሪጹ።

ኣቦመንበር ተስፋይ ደጊጋ ድሕሪ ምምራጹ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ነቲ ባይቶ ኣብ ልዕሊኡ ዘንበሮ እምነት ኣመስጊኑ፡ ኣብ መጻኢ ካብ ኩሉ ቀጻልን ኣድማዕን ስራሕ ከም ዝጽበ ገሊጹ።

New chairmanship 2ሓድሽ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ኣብ ፍራንክፈርት ቀዳማይ ኣኼባኡ እናካየደ።

እዚ ማእከላይ ባይቶ ኣብ መወዳእታ እቲ ካብ 29 ሓምለ ክሳብ 1 ነሃሰ 2019 ኣብ ጥቓ ፍራንክፈርት ዝርከብ ቪዝባደን ዝተኻየደ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰዲህኤን ሃድኤ-ሕድርን እዩ ተመሪጹ። እዚ ጉባአ ኣሓት ውድባት እውን ንሓድነታዊ መጸዋዕታ ጉባአ ሰዲህኤ ቅርቡነተን ዘቃለሓሉ እዩ ነይሩ።

ድሕሪ’ቲ ምርጫ ኣቦመንበራት ነበር ናይተን ዝሰመራ ውድባት፡ ብጾት ክፍለዝጊ ገ/መድህንን መንግስተኣብ ኣስመሮምን፡ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ሓድሽ ኣቦመንበር ኣብዚ በዳሂ ናይ ለውጢ ቃልሲ ዝካየደሉ ዘሎ ወሳኒ መድረኽ ነቲ ሓላፍነት ብምቕባሉ ምስጋናኦም ለጊሰምሉ። 

ኣቦመንበር ድሕሪ ምምራጹ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ፡ ናይ መሳርሕቱ ዝርዝር ሕጹያት ኣቕሪቡ፡ ብማእከላይ ባይቶ  ተቐባልነት ረኺቡ ጸዲቑ። እቶም ሕጸኦም ብባይቶ ዝጸደቐ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ፡  ብርሃነ ደበሱ ምክትል ኣቦመንበርን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ጉዳያትን፡ መንግስተኣብ ኣስመሮም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት፡ ክፍለዝጊ ገብረመድህን ሰክረተር፡ ኣድያም ተፈራ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ፡ ያሲን ዑስማን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያት፡ ዶ/ር ሃብተሚካኤል ተኽለ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳያት፡ ፍሰሃየ ሓጐስ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያትን ደበሳይ በየነ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜናን እዮም። ከምኡ’ውን ማእከላይ ባይቶ   ንኣቶ  ፍጹም  ኢሳቕ፡  ናይ ሰልፊ ጠቕላል ተቛጻጻሪ ከገልግል መሪጹ።

ኣብ መወዳእታ ኣኼባ ባይቶ ኣባላት ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ኣቦመንበር ኮይኖም ናይ ዝሰርሑ ዝርዝር ላዕለዎት ኣባላት ሰልፊ ኣጽዲቑ።

Last modified on Saturday, 03 August 2019 10:07