ርክብ ጀነቫ ብምንቁልቋል ሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራስን ስኽፍታ ኣሕዲሩ

2019-03-27 12:01:22 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2368 times

መበል 11 ርክብ ጀነቫ፡ ንሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራስን ብ26 መጋቢት 2019 ኣብ ጀነቫ  ተጋቢኡ።ኣብዚ ኣኼባ ኣስታት 800 ዝኾኑ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ፡ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራስን ተሓለቕቲ፡ ፖለቲካዊ ተቓወምትን ግዳያት ወጻዕቲ መንግስታትን ተሳቲፎም። ኣብዚ ኣኼባ ኣብቲ ደሓን ዝበሃል ዝነበረ ማሕበረሰባት ከይተረፈ ብዛዕባ መሊሱ እንዳጠጠዐ ዝኸይድ ዘሎ ጭቆና ዝሓደረ ስኽፍታ ተንጸባሪቑ።

ኣብዚ ርክብ ብዛዕባቲ ዝረአ ዘሎ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራስን ምንቁልቋል ብናይ ሕቡራት ሃገራት ሓለዋ ዲረክተር ኣቶ ሂለል ኑር ኣገዳሲ መብርሂ ተዋሂቡ። ንሶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ኣብዚ ከም በዓል ኤርትራን ሳዑዲ ዓረብን ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝኣተዋሉ እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ምምሕያሽ ኣዝዩ ውሑድ ከምዝኸውን ጠቒሶም።

ብሩንዳዊት ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰል ወይዘሮ ከቲ ኒቪባንዲ ብዛዕባቲ ኣብ ሃገረን ዝፍጸም ግህሰት ሰብእዊ መሰል መግለጺ ሂበን። መብዛሕትኡ ዝገለጸኦ ከኣ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ግህሰታት ዝመሳሰል ነይሩ። ንሰን ኣተሓሒዘን ኩሎም ምእንቲ ሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራሲን ዝነጥፉ ወገናት ንድሕሪት ከይብሉ ጸዊዐን። ኣብዚ ዝሃበኦ መግለጺ “ዋላ ለይታዊ ናይ ጸልማት ሰዓታት እንተነውሐ፡ ብርግጽ ጸሓይ በሪቓ ብርሃና ክትልግስ እያ” ዝብል ናይ ብሩንዲ ምሳልያዊ ኣበሃህላ ጠቒሰን።

ኣንጻር ጾታዊ ወጽዓ ዝነጥፋ ገጣሚት ብሪታንያዊ ሶማልያዊት ኒምኮ ዓሊ ብወገነን ቃል ኣስሚዐን። ንሰን ከም ዝበለኦ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መላእ ዓለምና 200 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ፡ ብሰንኪ ጾታዊ ጸቕጢ ኣብ ጸገም ይነብራ። ክሳብ ክንድዚ ዝኣኽላ ዜጋታ ኣብ ከምዚ ጸገም እንዳሃለዋ  ሓቀኛ ራህዋ ክህልው ኣይክእልን እዩ ኢለን። ኒምኮ ዓሊ ናይዚ ዓመት ናይ ርክብ ጀነቫ ተሸላሚት እየን።  

25 ዘይመንግስታዊ ማሕበራት ብሓባር ዝወደባኦ ናይዚ ዓመትዚ ርክብ ጀነቫ ፍሉጣት ናይ ሰብኣዊ መሰል ፈላጣትን ፖለቲካዊ ባእታታትን ቃሎም ዘስምዕሉ እዩ። ኣብዚ ኣኼባ እሱራት ዝነበሩን ቤተሰብ እሱራትን ነቲ ኣጋጣሚ ብምምስጋን ቃሎም ኣስሚዖም። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሃገር ካናዳ ዝነብራ ራኢፍ ባዳዊ ብዓልቲ ቤት ኣብሳዑዲ ዓረብያ ን7 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሳቐ ዘሎ ተሓላቒ መሰል ምስ ሰለስተ ደቀን ቃል ካብ ዘስምዑ ነይረን።

ኣብዚ ርክባት ካብተን ኣብ ጭቆና ዝርከባ ዘለዋ  ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ወይ ሱዳን ቃል ዘስመዐ ኣይነበረን። ኣብዚ ርክብ ናይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓላፊ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ኣቶ ወልደየሱስ ዓማርን ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት ዝነጥፍ ሙሴ ኤፍረምን ዝርከብዎም ውሑዳት ኤርትራውያን ተሳቲፎም።

Last modified on Wednesday, 27 March 2019 13:06