ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2019-03-12 19:18:57 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 2245 times

ብዕለት 10 መጋቢት 2019 ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ሰዓት 14፡00 ብኣቦ-መንበር ጨንፈር  መኽፈቲ እዩ ኣኼባ ተጀሚሩ። ኣኼባ ኣብቲ እዋናዊ ዛዕባ መጻኢ ሳልሳይን ምጽንባራውን ጉባኤ ሰዲህኤን ሃድሕን ዘትኮረ ዝርርብ እዩ ሰፊሕ ዝርርብ ኣካይዱ። ቀንዲ ካብኡ እቲ ንሳልሳይ ወርሑ ኣብ መሰረታት ሰልፍን ውድብን ወሪዱ ኣብዝርርብ ዘሎ ንድፊ ቅዋም መጻኢ ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰዲህኤን ሃድሕን ምንባሩ ይዝከር።

ብቅዋም  ሰልፊ ዓንቀጽ 5.13.2 መሰረት ንድፊ ፕሮግራምን ቅዋምን ቅድሚ  ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናብ መላእ ኣባላት ክወርድን ክዘራረብሉን ቅዋማዊ መሰሎም ብምዃኑ፡ ኣብቲ ናብ መሰረታት ሰልፊ ካብዝቐርብ ሳልሳይ ወርሑ ሒዙ ዘሎ ንድፊ ቅዋም፡  ኣባላት ሰልፊ ሓደስቲ ሕሳባት ከታኣታትዉ፡ ኣብ ስራሕ ጸገማት ዝፈጥር ዓንቀጻት እንተነይሩ ክትካእን ኮታስ ካብ ተመኩሮ ናይ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት  ከጽፍፍዎን ርእይቶታቶም ከንብሩሉን ስለ ዘለዎም፡ ኣብኡ ዘትከለ ሰፊሕን ዝርዝራውን ልዝብ ከምዝተኻየደ እዩ ይፍለጥ።

 ስለዚ ድማ። ጨንፈር ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ጀሚሩዎ ዝጸንሐ ንድፊ ቅዋም ናይ ምጽራይ ልዝብ፣  ኣብ ናይ ዕለት 10 መጋቢት 2019 ተሪፉ ዝነበረ ክፋሉ ኣጻርዩ ከምዝወዳኤ ተረጋጊጹ ኣሎ።  ንድፊ ቅዋም ኣብ መሰረታት ወሪዱ ክጻረ ካብዝድለየሉ ምኽንያታት ድማ፡ ንብረት መላእ ኣባላት ሰልፊ ብምዃኑ፡ ኣባላት ሓባራዊ ግንዛበ ክህልዎምን ናይ መጻኢ መሳርሒ ሕጊ ስለዝኮነን፣ ንተሳተፍቲ ኣባላት ጉባኤ ጥራሕ ዝግደፍ ዘይኮነስ፡ ንኹሉ ዝምልከት ብምዃኑ እዩ።

ብዘይካዚ፡ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ምጽፋፍ ንድፊ ቅዋሞ ከም ዝሳተፉ ምግባር ማለት ድማ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ብዘለዉ ኣባላት ሰልፊ ዝተጻረየን ዝሃብተመን ንድፊ ቅዋም ብተሳተፍቲ ጉባኤ ተወሃሂዱ ክጸድቕ ከሎ፡ መርኣያ ናይ ግሉጽነትን ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓን ሰልፊ ኣብርእሲ ምዃኑ፡ ኣሳልጦ ናይ ስራሕ ከምዝኮነ እውን ዘብርህ‘ዩ። ስዒቡ ዝጻፈፍ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮ ሰልፊ‘ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ተጻርዩ ክቐርብ‘ዩ።

ስለዚ መላእ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ቅዋምን፡ መደብ-ዕዮን፡ ምሕጻይ መራሕቶምን ምሉእ ተሳታፍነት ክህልዎም ምግባር፡ ሓደ ካብቲ ሰልፍና ዝጥቐመሎም ኣሳታፍን ደሞክራስያዊ ኣገባባትን መስርሕ ናይ ጉባኤ እዩ። በዚ መሰረት ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ኣብ ናይ ዕለት 10 መጋቢት 2019፡ ኣኼባኡ ንቅዋም ዝምልከት ርእይቶታቱ ኣጻርዩ ናብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ልኢኹ ኣሎ።

    

Last modified on Tuesday, 12 March 2019 20:22