ኣቦመንበር ሰዲህኤ መበል 32 ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ ንጉዳይ ኤርትራን ህዝባን ግቡእ ቆላሕታ ክገብረሉ ኣዘኻኺሩ

2019-02-12 11:18:07 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3058 times

ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክርሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ናብቲ “2019 ዓመተ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መበል 32 ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ መዘክር ልኢኹ። ኣብዚ ዝለኣኾ መዘክር ፡ ኣኼባ ነቲ ኤርትራውያን ብሰንኪ ጨቋኒ ስርዓት ኣብ ሃገሮምን ኣብቲ ተገዲዶም ዝተሰድዎን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ስቓይ ተሳተፍቲ ኣኼባ ግቡእ ቆላሕታ ክገብረሉ ዳግማይ ኣዘኻኺሩ።

ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ ብዙሕ ጉዳያት ብምድህሳስ ብ11 ለካቲት 2019 እዩ ተዛዚሙ። እዚ መበል 32 ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ  ካብ ዝተዘራርበሎም ጉዳያት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ጸገም ዋሕዚ ስደት፡  ምምዝባልን ካብ ስደት ተመለስትን ብኸመይ ከም ዝፍታሕ ምድህሳስ ቀንዲ ነይሩ። ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ብዙሓት ካብ ዜጋታተን ዝስደዱ ሃገራት ኣፍሪቃ እያ። ብዘይካዚ ኤርትራ ስደተኛታት ካብ ስደት ክምለሱ ዘይደፍርዋ ሃገር እያ።

ኣቦመንበር ሰዲህኤ መዘክሩ ናብ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ክቡር ኣቶ ሙሳ ፋቂ፡ ቅዳሑ ድማ ኣብቲ ኣኼባ  ናብ ዝተሳተፉ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከቡ ልኡኻቶምን እዩ ልኢኽዎ። ኣብዚ  ዝለኣኾ መዘክር ኣብ መጻኢት ኣፍሪቃ ሰላም፡ ዕቤትን ምውሃድን ንክህሉ ነቲ ኣኼባ ሰናይ ትምኒቱ ገሊጽሉ። እቲ ኣኼባ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ከም ናይ ኤርትራ ዝኣመሰለ ኣዕናውን ኣቐንዛውን ኩነታት ብኹሉ መልክዑ ንክርእዮ ናብ ተሳተፍቲ መራሕቲ ኣፍሪቃ መጸዋዓቱ ኣቕሪቡ።

Last modified on Tuesday, 12 February 2019 12:39