ብሓባር ከነድምጽ እንግደደሉ መድረኽ

2019-01-27 11:21:20 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2585 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራውያን ብዙሕነትና ዝወለዶ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ክህልወና ነውሪ ኣይኮነን። ነውሪ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ ሃብቲ እውን እዩ። ሃብትን ጌጽን ዝኸውን ግና ከነመሓድሮ እንከለና እዩ። ዝተፈላለዩ ሕብርታት ብክኢላ ክወሃሃዱ እንከለዉ ናይ ሓባር መሳጢ መልክዕ ከም ዝህልዎም፡ ናይ ሓሳብ ብዙሕነት እውን ብምጽውዋር፥ ምክእኣልን ቀዳምነታት ብምስራዕን ክመሓደር እንከሎ፡ ዓቕሚ መልክዕን ግርማን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ብዙሕነት ስሙ ከም ዝሕብሮ ንኣማራጽታት ዕድል ስለ ዝኸፍት ዝሓሸ መዋጽኦ ክትረብ ናይ ምርጫኣፍደገ ዝኸፍት እዩ።

ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ወይ ፍልልይ ጸጋ እዩ ክበሃል እንከሎ ብፍንው ዝተሓዝ ኣይኮነን። ኣብ ጉዳይ ሃገር ክንፈላለየሎም ዘይብልና ዛዕባታት ኣለዉና። ኤርትራውያን ኣብታ በጃ እንሓልፈላ ኤርትራን ህልውነኣን ፍልልይ ክህልወና ኣይግባእን። ምኽንያቱ ንዓኣ ምስ ኣውሓስና ኢና ብዛዕባ፡ ልዕልናኣ፡ ታሪኻ፡ ዕቤታ፡ ፍትሓውነታ፡ ክብራን ጸጋታታን ክንዛረብን ክንቃለስን እንኽእል። ኣብ ልኡላዊ ህልውናኣ እንተዘይኣትኪልና ግና፡ ከምቲ “ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ” ዝበሃል ኩሉ ብዛዕባኣ እንብሎን እንሓልዮን እንተፈታሕካስ ጥራሕ ቁጻር ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ኣብ ልኡላውነታ እንተ ተፈላሊና፡ እቲ ፍልልይ ኣብ ኤርትራዊ ክሊ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ዘይኮነ፡ ናይ ኤርትራውን ዘይኤርትራውን ፍልልይ እዩ ዝኸውን። እዚ ማለት ዝኾነ ናይ ሓባር እንብሎ ዘየብልና ኢና እንኸውን።

ብናይ ክሳብ ሎሚ ተረደኦና ፍልልይና ከም ናይ ለውጢ ሓይልታት ኣብ ሕድሕድና ኮነ፡ ፍልልይና ምስ ህግደፍ ኣብ ብኸመይ ኤርትራን ህዝባን ይርህዎም ከም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። ህግደፍ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ውልቀ-መላኺ ጭቆና ክትመሓደር ክድግፍ እንከሎ፡ ንሕና ናይ ለውጢ ሓይልታት ከኣ ብኣንጻሩ ኤርትራ ልዕልና ህዝባ ዝረጋገጸሉ ብሕገ-መንግስታዊ ዲሞክራሲ ክትመሓደር ይግበኣ ኣብ ዝብል ሰፊሕን መሰረታውን ፍልልይ ኢና ክንጐዓዝ ጸኒሕና። በቲ ካልእ ወገን ኣብ ሕድሕድ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዝጸንሐን ዘሎን ፍልልይና፡ ኣብቲ ህግደፍ ዘይቅበሎ ልዕና ህዝብን ሕገ-መንግስታዊ ዲሞክራስያያዊ ምምሕዳር እንዳተረዳዳእና፡ ኣብ ኣተገባብራኡ ግና ክንፈላለ ጸኒሕናን ኣለናን። እዚ ናይ ለውጢ ሓይልታት ፍልልይ፡ ዝፈላልን ዘሰማምዕን ኣነጺርካን ቀዳምነትካ ሰሪዕካ ናይ ምሓዝ ድኽመትና ኣጋዲድዎ እምበር፡ ከምቲ ምስ ህግደፍ ዝጸንሓናን ዘለናን ምጥምማት ሰፊሕን መሰረታውን ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋንዚ ህግደፍ ጸረ ህዝቢ፡ ጸረ ሕገ-መንግስታዊ ምምሕዳር፡ ጸረ ዲሞክራስን ጸረ ልዕልና ሕግን ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ብተዘዋዋሪ ከርእዮ ዝጸነሖ ጸረ ኤርትራዊ ህልውና ኣካይድኡ የግህዶ ከምዘሎ ዝሕብሩ ምልክታት መመሊሶም ይጐልሑ ኣለዉ። ቅድም ጸረ ህዝቢ ካብ ኮነ ብዘይህዝቢ ኣሎ ዝበሃል ልኡላውነት ሃገር ትርጉም የብሉን ክንብል ጸኒሕና። ንህዝቢ ካብ ልኡላውነት ሃገር፡ ንልኡላውነት ሃገር ካብ ህዝቢ ፈሊኻ ምርኣይ ስለ ዘጸግም እቲ ንህግደፍ ጸረ ህዝቢ ብምዃኑ ብጸረ ሃገርነት ምኽሳሱ ብግቡእ ይጐልሕ ኣይነበረን። ሎሚ ግና ህግደፍ ነቲ ኤርትራዊ ልኡላውነት እውን ከምቲ ጉዳይ መሰረታዊ መሰላት ህዝቢ ብግህዶ ይጥንጥኖ ኣሎ። ስለዚ ጠቕሊሉ ጸረ ህዝብን ጸረ ልኡላውነት ሃገርን ናብ ምዃን እዩ ዝስጉም ዘሎ።

እዚ ካብ ኮነ ኣብዚ እዋንዚ እንተደኣ ኣብ ህልውናን ቀጻልነትን ኤርትራን ህዝባን ንኣምን ኮይና ዝኾነይኹን ምስ ህግደፍ እንስለፈሉ ምኽንያት የብልናን። በዚ ምኽንያት ኢና ከኣ እቲ ደገፍቲ ህግደፍን ተቓወምቲ ህግደፍን ብዝብል ከረሓሕቐና ዝጸንሐ መንደቕ ፈሪሱ፡ ኩልና ቅድም ምእንቲ ህልውና ደሓር ከኣ ምእንቲ ፍትሓውነትን ደሞክራስያውነትን ሃገርና ብሓባር ከነድምጽ ኣብ እንግደደሉ መድረኽ ኣቲና ኣለና ንብል ዘለና። ሎሚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ምርጫታት ብንጹር ወይ ኤርትራን ህዝባን ወይ እቲ ንኤርትራን ህዝባን ከጥፍእ ዝሰርሕ ዘሎ ጉጅለ ዘይኮነስ ዕሉል መላኺ ውልቀ-ሰብ ኮይኑ ኣሎ። ምናልባት ደኣ “ክንዲ ብጹሕ ውሉድካ ኣይትምሓል” እዩ እምበር፡ ኤርትራዊ ኮይኑስ ካብ ንኤርትራን ህዝባን ምስ ክብሮምን መሰሎምን፡ ንሓደ መስዋእቲ ጀጋኑ ጠሊሙን ኣብ ጉዳይ ልኡላውነት ነቀይነቀይ ዝብል ዘሎ ሚዛኑ ዝሰሓተን ውልቀሰብ ዝመርጽ ኣሎ ኢልካ ምግማት ኣጸጋሚ እዩ።

ሎሚ መን ኣየናይ እዩ ምርጫኡ ተሓቢእካ ብምሕማይ ዘይኮነ ኣፍ ኣውጺእካ ኣብ መድረኽ ኣብ ዝኾነሉ ወሳኒ እዋን ኢና ንርከብ ዘለና። ትማሊ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ኣስመራ ተጠሊዑ “ደሓር ጋሻ ከይኮነኩም ናይ ኤርትራ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሓላፍነት ተዋሂቡኒ ኣሎ” ክብለና እንከሎ፡ ዘሰከፈና ኔርና። “ክላእ እዝስ ንጸወታ እዩ” ኢልና ብዘይስኽፍታ ዝሓለፍናዮ እውን ኔርና። ሎሚ እዚ ኢትዮጵያዊ ሰብኣይ ኣብ ክንዲ ኤርትራ ተጠሊዑ ምስ ናይ ወጻኢ መንግስታት ክወዓዓልን ክፈራረምን ክንዕዘብን ክንሰምዕን እንከለናኸ ዕሕሕሕ ኣይንብልን ማለት ድዩ። ናቱስ ዝሕሸሉ መተባህለ፡ ብወገን እቲ “መንግስቲ ኤርትራ እየ” ዝብል ወገን፡ ነዚ ብዝምልከት ዝስማዕ ድምጺ ዘይምህላዉኸ ንስኽፍታና ኣበሪኹ “እንታይ እዩ ዝግበር ዘሎ?” ክንብልዶ ኣይድርኸናን።

እዚ ምልክታት ምስቲ ብዝሑን ዝስመዓሉ ዘሎ መድረኻትን “ብጌጋ ዝበሃል ዘሎ ምላቑያ እዩ” ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ወይ “እዚ እሞ ዘይሕሰብ እዩ” ኢልካ ብምድዕዓስ ዝረአ ኣይኮነን። ኣብ ተመኩሮና ክኸውን ኢልካ ዘይገምትካዮ ክኸውን ኣይተራእየን ማለት ኣይኮነን። “እዚ ኩሉ መስዋእትነት ተኸፊልዎ ኣይመስለንን” እንዳበልካ ዝሕለፍ እውን ኣይኮነን። ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ በታ ኣብ መወዳእታ እቲ ዳሕረዋይ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ናይ 19 ሺሕ መንእሰያት መስዋእቲ ከፊልና ዝበለት ልሳኑ፡ ኣብ ኣደባባይ ብሓጐስ ኣፍልቡ እንዳወቐዐ “ኣይከሰርናን” ክብልዶ ኣይሰማዕናዮን ኢና። ርግጸኛታት ኢና፡ ብፍላይ ደገፍቱ እዚ “ኣይከሰርናን” ዝብል ቃል ካብ ኣፉ ይወጽእ ኢሎም ኣይተጸበዩን። ንሕና ግና እዚ ሰብኣይ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ዘይፍንቅሎ እምኒ የለን ዝብል እምነት ስለ ዝነበረና፡ ብኸምዚ ዓይነት ቀጥታዊ ንዕቀት ህዝቢ ምምጻኡ’ኳ እንተደንጸወና፡ ከምዚ ዓይነት በደል ክፍጽም ናይ መጀምርታኡ ከምዘይኮነ ኢና እንርዳእ። ስለዚ ናይዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆ፡ መተካእታ ዘየብሉ መፍትሒ ነቲ ዝምዕብል ዘሎ ንኹልና ኤርትራውያን ዝምልከተና ሓደጋ ንምብዳህ ብሓባር ከነድምጽ ምብቃዕ እዩ።

Last modified on Sunday, 27 January 2019 12:24