ኢሳይያስ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ሓደገኛ ምዃኑ ተገሊጹ

2018-11-25 11:07:40 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3179 times

ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) እቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ንሓደገኛነት ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝምልከት ክንሰምዖን ክነንብቦን ዝጸናሕና ሎሚ ብተግባር ንርእዮ ኣለና ኢሉ። ንሱ ነዚ ዝገለጸ ኣብቲ ብቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያት ሰዲህኤ ዝጽዋዕ ወርሓዊ መደብ ፓልቶክ ዕዱም ጋሻ ኮይኑ ብ24 ሕዳር 2018 “ተራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ምብላሕ ብደሆታትና’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ዛዕባ ዘቕረቦ መበገሲ ሓሳብ እዩ።

ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ኣብዚ እዋንዚ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ኤርትራውያን፡ ገለን ነቲ ዝኸዶ ዘሎ ናይ ጥፍኣት መንገዲ ሓደገኛ ሳዕቤን ስለ ዘይተረድኡ፡ ገለን ከኣ እቲ ሓደገኛ ጉዕዞ እንዳተረድኦም ብውልቃዊ ሕሳባት ተሻቢቦም ደድሕሪ ዲክታቶር ኢሳይያስ ዝጐዓዙ ከም ዘለዉ ጠቒሱ። ብኣንጻሩ ኣብዚ እዋንዚ ዳርጋ ኩሉ ኤርትራዊ ክበሃል ብዝኽእል ኣንጻር’ዚ ኢሳይያስ መሪጽዎ ዘሎ ሓደገኛ ጉዕዞ ምዃኑ ብብዙሕ ኣብነታት ኣሰንዩ ገሊጹ። ኢሳይያስ ነቲ መልክዕናን ምንጪ ሓይልናን ዝኾነ ብዙሕነትና ብሓደገኛ ጥበብን ሰላሕታዊ ኣገባብን ከም መፈላለዪ ኣባሊሑ ከም መዳኸሚ ኤርትራን ኤርትራውነትን ክጥቀመሉ ከም ዝጸንሐን ሕጂ እውን በዚ ግጉይ መንገዲኢ ይቕጽል ከም ዘሎ ዝገለጸ ኣቶ ወልደየሱስ፡ ሃስያታቱ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ብምውዳቕ ኮነ ምስ ጐረቤት ኢትዮጵያን ካለኦት ሃገራትን መልክዑ ዝሓለወ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ዝተሰረተ ዝምድና ከይህልወና ክዕንቅፍ ከም ዝጸነሐ ናይ ገዛእ ርኡሱ ሃብታም ተመኩሮ ብምድህሳ ኣስፊሑ ኣብሪሁ።

ኣብዚ ኢሳይያስ ነቲ ደሓን ዝነበረ ኤርትራዊ መንነትን ልኡላውነትን ግዜ እንዳሓለወ በብቑሩብ እንዳሸራረፈ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ሓደገኛ ደረጃ ምብጽሑ ዝተገልጸሉ ኣኼባ፡ ኩነታት ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ናይ ቃልሲ ድሕረ ባይታና ብዘየገድስ ንኹልና ፈተውቲ ሃገርን ህዝብን ኤርትራውያን ከቢድ ሻቕሎት ከም ዘሕደረልናን ከቢድ ሃገር ናይ ምድሓን ሓላፍነት ከም ዘሰክመናን ኣብዚ ኣኼባ ተንጸባሪቑ። ብዙሓት ጸሓፍትን ተመራመርትን ኤርትራውያን ከም ዘረጋገጽዎ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንውድብ ጥራይ ዘይኮነ ንሃገርን ህዝብን እውን ከም ናይ ውልቁ ንብረት ቆጺሩ ክጣላዕ ድሕር ዘይብል ምዃኑ ከም ዝተረጋገጸ ብኣብነታዊ ተመኩሮታት ተሰንዩ ቀሪቡ። ኣብ ቅድሜና ሓያል ብደሆ ከምዘሎ ዝገለጸ ኣቶ ወልደየሱስ ቂም፡ መላኽነትን ክሕደትን ዲክታቶር ኢሳይያስ ካብ ቀደም ጀሚሩ ናይ ውልቁ እምበር ነቲ ዝመርሖ ዝነበረ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ተጋደልትን ከምዘይውክል ብንጹር ኣስፊሩ።

“ዝተወሰነ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንኢሳይያስ ይፈትዎ ነይሩ ክኸውን ይኽእል፡ ኢሳይያስ ግና ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘይፈትዎ ብተግባር ክረአ ጸኒሑ እዩ” ምስበለ ኣቶ ወልደየሱስ፡ ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘይፈቱ፡ ምስ ጓና ኮይንካ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ብምድኻም፡ ንህዝቢ ኣጓኒኻ ውልቃዊ ውሳነታት ብምውሳን፡ ከረጋግጾ ጸኒሑ ሕጂ ብዝገደዶ መልክዕ ብቕሉዕ ኣገባብ ይቕጽሎ ኣሎ ኢሉ።

ድሕሪቲ ሰፊሕ መግለጺ ብተሳተፍቲ፡ ካብ ቀደም ንኢሳይያስ ብቐረባ ዝፈልጥዎ ነባራት ስለምንታይ ብዓንተቦ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይምሕባሮም፡ ኢሳይያስ እዚ ኩሉ ጸይቂ ንክፍጽም ዝሓገዞ ኣጋጣምታት፡ ንጽልዋ ኤርትራዊ ሓይሊ ተቓውሞ ኣብ ከባቢና ኣብ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ዝምልከቱ ዝርከብዎም ሕቶታት ቀሪቦም ግቡእ መብርሂ ተዋህብዎም። ብዘይካዚ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ዝሓለፈ ጉዳያት ምዝርዛር ዘይኮነ መጻኢኸ እንታይ ንግበር ኣብ ዝብል  ብዙሓት “ኢሳይያስ ከይተወገደ ኣብ ኤርትራ ራህዋ ኣይረጋገጽን” ዝመልእኽቶም ሃነጽቲ ሓሳባት ብምቕራብ ኣኼባ ተዛዚሙ።

Last modified on Sunday, 25 November 2018 12:13