መግለጺ 9ይ ምዱብ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

2018-08-15 05:54:45 Written by  ማእከላይ ሽማግለ ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2907 times

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብመስረት ቅዋም ሰልፉ ዓንቀጽ 6.1.8 ብተኸታታሊ ከካየዶ ዝጸንሐ 9ይ ዓመታዊ ስሩዕ ኣኼባኡ ብ12 ነሓሰ 2018 ዛዚሙ። ማእከላይ ባይቶ ኣብ’ዚ ብቃል ኣቦ መንበሩ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ዝተኸፍተ፡ ተኸታታሊ ኣኼባታቱ ኣገዳስን እዋናውን ሓበሬታታት ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ብፍላይ ብዛዕባ ከባቢናን ዓለምናን ድማ ብሓፈሻ፡ ብጽሞና ዳህሲሱን ሚዛናቱ ኣንቢሩን። ብዝያዳ ከኣ ብሓደ ወገን ኣብ ኤርትራ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርአ ዘሎ ምዕባለታት ብዝምልከት ብሰፊሑ ተመያይጥሉ። በዚ መሰረት ነቲ ቅድም ብኣቦመንበር ሰልፊ ቀጺሉ ድማ ብፈጻሚ ሽማግለ ዝወጸ ነዚ ዝተጠቕሰ ምዕባለታት ዝምልከት መግለጽታት ግቡእን እዋናውን ሚዛናት ምዃኑ ኣስሚርሉ። ኣኼባ ቀጺሉ ብኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ዓመታዊ ጸብጻባት ብዝርዝር ሰሚዑ፡ ብመንጽር’ቲ ኣቐዲሙ ወጺኡ ክስርሓሉ ዝጸንሐ፡ ዓመታዊ መደባት ኣድላዪ ክትዓት፡ ምይይጥን ምትዕርራይን ድሕሪ ምግባር ነቲ ጸብጻባት ከም ሕጋዊ ሰነድ ሰልፊ ኣጽዲቕዎ።

ብዘይካ’ዚ፡ በቲ ኣቐዲሙ ናብ ኣባላት ባይቶ ተዘርጊሑ ዝነበረ ኣጀንዳ መሰረት፡ እቲ ኣቐዲሙ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ መደብ ምሕዳስ ሰልፊ ዝምልከት በቲ ብማእከላይ ባይቶ ቆይሙ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኮሚሽን ምሕዳስ ሰልፊ ዝቐረበ ፍሉይ ጸብጻብ ተኸታቲሉ። ከም ኣካል ናይ’ቲ ጸብጻብ ከኣ ብዛዕባ ኣበጋግሳ መስርሕ ምሕዳስ ዝብል ሓሳብን ኣመሰራርታ እቲ ኮሚሽንን መብርሂ ሰሚዑ። በቲ ዝተታሕዘ መደባት መሰረት ነቲ ድሮ ተወሲዱ ዘሉ ናይ ምሕዳስ ስጕምታት መጐሱ ገሊጹ፡ ነቲ ዘይተፈጸመን ዕማማት ምሕዳስ ሰልፊ ድማ ንምትግባሩ ዝሕግዝ መደብ ኣሚሙ። ካብዚ ነቒሉ ከኣ ኣብ ቀጻሊ እቲ ዕማም ናብቲ ኮሚሽን ጥራይ ከይተገድፈ ኩሉ ኣባል ሰልፊ ክሰርሓሉ ከም ዝግበኦን እቲ ኮሚሽን ንዝቕጽል ሓደ ዓመት ካብ መሰረታት ሰልፊ ዝረኸቦ ርእይቶታት ጥራይ ከይተደረተ፡ ከምቲ ክገብሮ ዝጸንሓ ሃናጺ ሓሳባትን ኣገደስቲ መጽናዕትታትን ብምቕራብ ንመሪሕነት ናይ ምስናቕ ዕማሙ ክቕጽልን ወሲኑ።

ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ኣብ ጉባአ ዝጸደቐ፡ ቅዋም ሰልፊ ብዝሃቦ ስልጣን መሰረት፡ ንኣሰራርሓ ምቁጽጻር (ኦዲት) ዝምልከት ንድፊ ከተቕርብ ኣቐዲሙ ኣብ ፍሉይ ኣኼባኡ ዘቖማ ሽማግለ ንድፊ ንዘቕረበቶ ንኣገባብ ኣሰራርሓን መምርሒ ንጠቕላል ኦዲተርን ዝምልከት ንድፍን ዝቐረበሉ ጸብጻብ ሰሚዑ። ኣብቲ ዝቐረበሉ ንድፊ ተመርኲሱ ከኣ ናብ’ቲ ዛዕባ ቅርበት ናይ ዘለዎም ኣካላት ሰልፊ ርእይቶ ምስ ሰምዐ ኣብ መጻኢ ዝስርሓሉ ናይ ምቁጽጻር መምርሒ ሰነድ ኣጽዲቑ። እቲ ብሽማግለ ንድፊ እተዳለወ መምርሒ ንምንዳፍ እተጠቐመትሉ ኣገባብ ዝሕብር ጸብጻብ ድማ ቅኑዕን ግቡእን ምንባሩ ማእከላይ ባይቶ ተቐቢሉ ኣጽዲቕዎ።

ድሕሪ እዚ ብመሰረት እቲ ቅድሚ ዓመት ዝወጸ እማመ ሰዲህኤ ንሓባራዊ ስራሕ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ: ኣብዚ መዳይ’ዚ ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለ ዘርኢ ጸብጻባት ሰሚዑ። በቲ ዝቐረበ ጸብጻብ መሰረት ክሳብ ሕጂ ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባት ንሓላፍነታዊ ተበግሶ ሰዲህኤ ኣውንታዊ ምላሽ ከም ዝሃቡን ገለ ውድባት ከኣ ብዛዕባቲ ትሕዝቶ ክበርሃሎም ከም ዝሓተቱ ኣብዚ ኣኼባ በሪሁ። ብፍላይ ምስ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ናብ ኣዝዩ ዝለዓለ ናይ ሓድነት ተስፋ ዝህብ ምቅርራባት ተበጺሑ ከም ዘሎን ሰልፍና ነዚ ንምትግባር ብትግሃት ክሰርሕ ምዃኑ ኣኼባ ባይቶ መዚኑ። ሰዲህኤ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርአ ዘሎ ዘይብሩህ ዝምድና ብስም ደለይቲ ፍትሒ ብሓባር ዝዛረቡ ናይ ሓባር ኮሚተታት ንምቛም ኣቕሪብዎ ዘሎ ጸዋዒት ተቐባልነት ክረክብ ትጽቢቱ ትስፍው ምዃኑ ገሊጹ። ምስዚ ኣተሓሒዙ 9ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ንፈጻሚ ሽማግለ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ዝምድናን ሓድነትን ውድባት ከተግብር ሓላፍነት ሂቡ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ምስ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ተጀሚሩ ዘሎ እወንታዊ ርክብ ንምድልዳሉን ናብ ክብ ዝበለ ደረጃ ንምስግጋሩን ዘድሊ ጻዕርታት ክካየድ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ንፈጻሚ ሽማግለ ሓላፍነት ኣሰኪሙ።

9ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝርኣዮ ካልእ ኣገዳሲ ጉዳይ ምድላው 3ይ ስሩዕ ጉባአ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘካየዶ ሰፊሕ ዳህሳስ፡ ሓደሓደ ጉዳያት ብመሪሕነት ንክጽንዑ ወጊኑ። እቲ ምድላዋት ንምጅማር ክከኣል ከኣ 9 ዝኣባላታ ኣሰናዳኢት ሽማግለን 5 ዝኣባላት ሓጻይት ሽማግለ ኣቚሙ መምርሒ ስረሓተን ከኣ ሂቡ።

ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ብመንጽር’ቲ ኣብ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ምስ ኢትዮጵያ ትኣትዎ ዘላ ሓድሽን ኣሰካፍን ምዕራፍ ዝምድናን ብዘካየዶ ዓሚቝ ዳህሳስ መሰረት ህዝቢ ኤርትራን ኩሎም ሓይልታት ተቓውሞን ዝያዳ ኩሉ ግዜ ኣብ ዘሰማምዖም ጉዳያት ኣትኪሎም ሓቢሮም ክቃለሱ መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።

ኣኼባ ባይቶ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ከካይድዎ ንዝጸንሑ ኩለመዳያዊ ዘይሕለል ኣበርክተኦም ኣመጒሱ፡ ኣብ መጻኢ’ውን ከም ወትሩ፡ ሓድነት ሰልፎም ብምዕቃብ ንምልካዊ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምቅላዕን ንሓባራዊ ስራሕ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ምድንፋዕን እቲ ዘይሕለል ቃልሶም ዝያዳ ከደንፍዕዎ ጸዊዑ።

9ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምቕባልን ምሕብሓብን ከካይዶ ንዝጸንሐ ጉርብትናዊ ምትሕብባር ኣመጒሱ። ኣብዚ እዋንዚ ንህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ተቓውመኡን ብዘግለለ፡ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኣስካሕካሒ በደል ዝፍጽም ዘሎ መላኺ ጉጅለ ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ዝምድና ዘላቒ ሰላም ከምጽእ ዘይክእል ምዃኑ ክግንዘብን ንከስተብህል እንዳጸወዐ፡ ሻቕለቱን ስኽፍትኡን ገሊጹ።

9ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ኣብ መወዳእታ ኣቦመንበር መሪጹን ብኣቦመንበር ባይቶ ንዘቕረበሉ ሑጹያት ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ብምጽዳቕን ጠቕላላ ተቖጻጻሪ ብምምራጽን ኣኼባኡ ዛዚሙ

ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ፡ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ!!!

ማእከላይ ሽማግለ ሰዲህኤ

13 ነሓሰ 2018

Last modified on Wednesday, 15 August 2018 07:58