ሰሚናር ምሕዳስ ሰልፊ: ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ተኻይዱ
2018-08-04 10:34:49 Written by ኮምስዮን ምሕዳስ ሰልፊ Published in EPDP News Read 3781 times3 ነሓሰ 2018፣ ምሕዳስ ሰልፊ ዝኣርእስቱ ሰሚናር ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርት፣ ሃገር ጀርመን ተኻይዱ። ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ደ.ህ.ኤ) ፈስቲቫል ንኽሳተፉ ካብ ዝተፈላለየ ዞናታት ናይ ዓለም ተጓዒዞም ዝመጹ ናይቲ ሰሚናር ተሳተፍቲ ነይሮም።
ነቲ ሰሚናር ዝኸፈተ ኣቦ መንበር ኣሳናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ኣቶ ተስፋማርያም ክብርኣብ፣ ንኣኼበኛ እንቃዕ ደሓን መጻእኩም ብምባል፣ ብዛዕባ ተቐሪቡ ዝነበረ ሰሚናር መእተዊ ብምሃብ ንኣባላት ኮሚሽን ሕደሳ ብምልላይ መድረኽ ኣረኪቡ። ሰሚናር ብኣቦ መንበር ሕደሳ ኮሚሽን ኣቶ ፍስሃየ ሓጎስን ዶክተር ሃብተሚካኤል ተኽለብርሃንን ተኻይዱ።
ኣባላት ኮሚሽን ሕደሳ ሰልፊ፣ ኣምር ሕደሳ ብምግላጽ፣ ንሓደ ዓመት ዝተኻየደ መጽናዕትን ትግባረኡን ኣመልኪቶም "ኣብ ተሓድሶ ሰልፊ እንታይ ክንገብር ንደልን ንኽእልን?"ዝብል ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቦም። ኣብ ናይ ተሓድሶ መስርሕ ንምእታው ብግምገማ ሓያልን ድኹምን ሰልፊ ተበጊሱ፡ ንሓያል ጎድንታቱ ብምዕቃብ ዝያዳ ንምሕያሉ ክጽዕር፡ ንዽኹም ጎድንታቱ ድማ መአረምታ ወይ መተካእታ ክረኽበሎምን ከምዘለዎ ኣብሪሆም። ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ዝተዋህለለ ናይ ሓያልን ድኹምን ጎድንታት ዝርዝር ነጥብታት ብምልዓል፣ ኣኼበኛ ዘሳተፈ ዓሚቝ ክትዓት ተኻይዱ።
ኣብ መደምደምታ ካብ ኣኸበኛ ንዝቐረበ ሕቶታት ብምብራህ፣ ዝቐረበ ርእይቶታትን ለበዋታትን ብምምዝጋብ ሰሚናር ተዛዚሙ።