ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ኣኼባ ኣካይዱ

2018-06-26 20:13:46 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 2774 times

ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ወርሓዊ ኣኼባኡ ብዕለት 24.06.2018 ኣካይዱ። እቲ ኣኼባ ሰዓት 02፡00 ድ.ቀ. ብሰናይ ምንዮት ኣቦ-መንበር ጨንፈር ድሕሪ ምስ ተኸፈተ፡ ነቲ ዕለት ናብ ዝተታሕዘ ኣጀንዳታት ተእትዩ።

ኣጀንዳታት ኣኼባ- ከም ወትሩ ዲሲፕሊን ሰልፊ ምኽባርን፡ ሰልፍኻ ምፍላጥ ዝብል ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ እዃ እንተነበረ፡ ኣብዚ ኣኼባዚ ግን፣ ምስዘሎ ምዕብልናታት ንምጉዓዝ ዝዓለመ፣ ሓበሬታ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ዞባናን፡ከምኡውን ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ውደባ መንእሰያት ኣብ ዲያስፖራን ዝብሉ እዮም ብሰፊሕ ዝተታሕዙ ነይሮም።

እቶም ኣጀንዳታት ሓደ ብሓደ ተኣትዮም፡ ለውጢ ብውሽጣዊ ዲሲፕሊንን ሰልፍኻ ምፍላጥን ስለ ዝጅምር መግለጺ ድሕሪ ምቕራብ፣  ኣብቲ ዝስዕብ ኣጀንዳ ሓበሬታ ውሽጣዊ ንጥፈታት ሰልፍን ዞባናን ተኣትዩ። እቶም ቀንዲ ግዜ ዝወሰዱ ምርድዳኣት ድማ ኣብ ዞናና ዝካየድ ዘሎ ሃድሽን ቅልጡፍን ምቕይያራትን ስርርዓት ፍግደፍ ኣብመንእሰያትን ዝብሉ ሰፊሕ ናይ ልዝብን ሓሳባት ምልውዋጥን ዝወሰዱ እዮም ነይሮም። ኣኼበኛ ነቲ ሰልፍና በብእዋኑ ዝወስዶ ዘሎ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ንጥፈታትን ምምዕባል ፖለቲካዊ ባህልን ኣሞጒሱ። ብተወሳኺ‘ውን ተቓወምቲ ሓይልታት፡ ነቲ ህግደፍ ብጓይላን ጃህራን ዘብዕሎ ዘሎ መዓልቲ ነጻነት ዝመሳሰል ኣበዓዕላ ዘይኮነስ፡ ብሰሚናር ጌርካ ምብዓሉ ብዝብል ኣተሓሳስባ፡ ህዝባዊ ምጥርናፍ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ኣብ ፍራንክፎርት ሓባራዊ ህዝባዊ ሰሚናር ብምውዳብ ዘካየዶ ጻዕሪ፡ ንቃልስና ናህርን ኒሕን ምጥርናፍን ዘዛይደሉ ብምዃኑ ኣኼበኛ ኣሞጒሱ።

ነዚ ሕጂ ብሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝውሰድ ዘሎ ኣወንታዊ ስጉምትታት ናይ ሓድሽ ኣተሓሳስባን ግሉጽነትን ተሓታትነትን፡ ከምኡ‘ውን ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣኼበኛ ኣሞጒሱ። ሰልፍና‘ውን ነዚ ሕጂ ብዶ. ኣቢይ ዝግለጽ ዘሎ ናይ ምትግባር ውሳኔ ኣልጀርስ ንነዊሕ ግዜ ብጽሑፋቱን ብኣኼባታቱን እናገለጾ ክመጽእ ጸኒሑ‘ዩ። መላኺ ኢሳያስ ግን፡ እዚ ብኢትዮጵያ ዝውሰድ ዘሎ ናይ ዶብ ጉዳይ ምትግባሩ ከይመለሰሉ ን2 ሰሙን ኣጽቂጡ ኔሩ፣ ኣብ መዓልቲ ዝኽረ ስዉኣት ድማ ኣተንፊሱ። ። ስለምንታይ እዚ መጸዋዕታ‘ዚ ንኢሳያስ ካብቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ተሓቢኡሉ ዝጸንሐ በዓቲ ናይ ምስምስ ውግእ-ዶብ ቀሊዑ ዘውጽእን ኣብ መሓንቖ ዘእትዎን ስለ ዝኾነ። እቲ ህዝቢ ክጽበዮ ዝጸንሐ ናይቲ መጸዋዕታ ምቕባል መልሲ ግን፡ ጎቦ-ጎቦ እዩ መሊሱዎ። ነቲ ዶብ ከይተሓንጸጸ ኣይንዛተን ኢና ትብል ዝነበርት መልሓሱ ተቐርጢማ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ኩነታት ዘጽንዕ ልኡኽ ክሰድድ ምዃኑን፡ ንወያኔ ብምጽራፍን እዩ ገሊጹዎ። ምስ ኢትዮጵያ ክረዳዳእ ምስ ወያኔ ግን ክጻረፍ እንከሎ ግን ወያኔ‘ውን ኣካል ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃኖም ብርሳዕ‘ዩ። እዚ ግን ኣየገርመናን‘ዩ፡ ምልካውያን ረብሕኦም ኣብ ሰላም ዘይኮነስ ኣብ ውግእን ጽልእን ስለ ዝኾነ። እዚ ምንጥልጣል ናይ ዶብ ጉዳይ ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ምኽንያታት ናይ ኢሳያስ መናውሒ ስልጣን ስለ ዝኾነ ቅልጡፍ ፍታሕ ክርከበሉ ይግባእ። ሽግር ኤርትራውያን ግን ጉዳይ ዶብ ጥራሕ ኣይኮነን። ቅድሚ ጉዳይ ዶብ ምጅማሩ ብ20 ሰነ 1991 ኣብ ናይ መጀመርያ በዓል መዓልቲ ነጻነት‘ውን ንህዝቢ ኤርትራ ምልካዊ ስርዓት ከም ዘቚውም ሓቡሩዎ እዩ። ብድሕሪኡ‘ውን ንህዝቢ ኤርትራ እናጨፍጨፈ‘ዩ ብፍርህን ራዕድን ምብትታንን ክገዝእ ጸኒሑ። ስለዚ ሕጂ‘ውን ጉዳይ ዶብ ጥራሕ ስለ ዘይኮነ ጸገምና ምልካዊ ስርዓት ከልግስ ከሎ ጥራሕ‘ዩ እቲ መሰረታዊ ፍታሕ። ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ስርዓት እንተዝትከል ኔሩ እቲ ምስ ጎረባብቲ ምንቛት‘ውን ኣይምሃለወን ኔሩ። ስለዚ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጥረ ብዅረት ዲሞክራስያ‘ዩ ነቲ ምስ ጎረባብቲ ዘሎ ጸገም ፈጢሩዎ እምበር ብኣንጻሩ ኣይኮነን። እዚ ስለ ዝኾነ፡ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ምልካዊ ስርዓት ብምልጋስ ጥራሕ ስለ ዝኾነ መሰረታዊ ለውጢ ዝመጽእ፡ ተጠርኒፉ ተቓውሞኡ ከሐይል ከም ዘለዎ ኣኼበኛ ተማሕጺኑ።

ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ስርዓት ህግደፍ ንኣብ ወጻኢ ዝተወልዱ ብጀካ ንዙሮት ብምኻድ ንኤርትራ ዘይፈልጡዋ መንእሰያት ሂትለራዊ ውደባ እናወደበ ሓንጎሎም ብምሕጻብ ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ መንእሰያት ንከርዕድ መሳርሒ ንክኾኑዎ ዝገብሮ ዘሎ ገበን ኣኼበኛ ይነጽግ። ብተግባር‘ውን ኣብ ሆላንድ፡ ስዊትዘርላንድ፡ እስራኤልን ዓዲ እንግሊዝን ዝተገብረ ምስ ከምኦም መንእሰያት ኤርትራውያን ምጭፍጫፍ ተራእዩ‘ዩ። ስለዚ መንእሰያት ነዚ ናይ ስርዓት ህግደፍ ገበን ክነቕሑሉን ሓቢሮም ክቃወሙዎን መንእሰያት ለበዋኦም ኣቕሪቦም።

ኣኼባ ድማ ኣብ ሰዓቱ ብዝኽረ-ሰማእታት ተደምዲሙ።

        

Last modified on Tuesday, 26 June 2018 22:28