ምትእስሳር ማሕበር ምትሕብባር መታሕት 4ይ ዓመቱ ኣጸንቢሉ

2018-04-09 18:46:07 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2841 times

ማሕበር ምትሕብባር መታሕት ኤርትራ ብ7 ማዝያ 2018 ኣብ ከተማ ከለን ሃገረ ጀርመን ዝኽሪ ምምስራት ራበዓይ ዓመቱ ጸንቢሉ። ኣብዚ ጽንብል ናይቲ ምትሕብባር ኣቦመንበር ኣቶ ኣሕመድ ኣደም ብዛዕባ’ቲ ናይ ምትሕብባሮም ራኢ ዝገልጽ “ማሕበራዊ ውዕል” ሰፊሕ መብርሂ ሂቦም።

ኣብቲ ብኣወሃሃድነት ወይዘሮ ዓሻ ገዓስ ዝተመርሐ መድረኽ፡ ዝተዓደሙ ወከልቲ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራን ከምኡ እውን ግዱሳትን ምሁራትን ኤርትራውያን ባእታታን ብዛዕባቲ ዝቐረበ፡ ሰነድ ማሕበራዊ ውዕል ርኢቶ ኣብ ርእሲ ምሃቦም፡ ነናይ ውድባቶምን ሰልፍታቶምን ርኢቶ ኣቕሪቦም።

ኣብዚ መንእሰያት ዝርከብዎም ብዙሓት ዝተሳተፍዎ መድረኽ፡ ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ወኪላ ዝተሳተፈት ወይዘሮ ኣድያም ተፈራ፡ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ሰዲህኤ፡ ኣብ ዘስመዓቶ መደረ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ከምዚ እዩ ኢልካ ክትገልጸ ዘጸግም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክፍጽሞ ዝጸንሐ በደላት ብሰፊሑ ኣቃሊዓ። ኣተሓሒዛ ድማ ብዛዕባቲ ኣብዚ እዋንዚ ሰዲህኤ ከም መዋጽኦ ካብዚ ዝረአ ዘሎ ዘይውሁድ ኣካይዳ ውድባት ኤርትራ ንምውጻእ፡ ይሰርሓሉ ብዛዕባ ዘሎ ኣርባዕተ ነጥብታትን ሰለስተ ናይ ምምትሕብባር መዳያትን ዝሓቖፈን ናይ ብዙሓት ወገናት ደገፍ ዝረክብ ዘሎን “እማመ ዘተ ሓባራዊ ስረሓት ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ” ብሰፊሑ ኣብሪሃ።

Last modified on Monday, 09 April 2018 20:53