ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ከተማ ኦስሎ ዕዉት ዓውደ መጽናዕትን ክፉት ህዝባዊ ኣኼባን ኣካይዱ

2018-03-06 19:59:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3439 times

ማሕበር ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ዕለታት 3ን4 መጋቢት 2018 ኣብ ከተማ ኦስሎ፣ ኖርወይ ብደረጃ ኤውሮጳ ዝተጋበአ ዕዉት ዓውደ መጽናዕትን፣ ህዝባዊ ኣኼባን፣ ባህላዊ መደብን ኣካይዱ። ካብ ሓያለይ ሃገራት ኤውሮጳ ብውክልና ዝተሳተፉ ኣባላት ናይቲ ማሕበር ምስ ካብ ዝተፈላለየ ኩርነዓት ናይ ኖርወይ ዝመጹ ብጾቶም ኣብ ዕጹው መጋባእያ ብዛዕባ ህይወት ምንቅስቃሶም መጽናዕታዊ ምምይያጣት ድሕሪ ምግባር እዮም ናብ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባን ባህላዊ መደባትን ዝሰገሩ።

ኣቦ መንበር ጨንፈር ኖርወይን ከባቢኣን ናይቲ ማሕበር ሓው ስቲፋኖስ ሽፍታ ናይ ሓጺር ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻኹምን ናይ ምስጋናን ንተሳተፍቲ ድሕሪ ምሃብ፣ ኣሲዒቡ ኣባል ፈጻሚ ሽማገለ ናይቲ ማሕበር ዝኾነ ኣቶ ዓንደብረሃን ንማሕበሮም ምስ ህዝቢ ንምልላይ ብምዕላም፣ ኣብ ኣመጻጽኣን ኣመዓባብላን ናይቲ ማሕበር፣ ኣብ ዕላማታቱን፣ ራኢኡን ኣመልኪቱ ሰፊሕን ዓሚቊን መግለጺ ሂቡ። ኣብ መደረኡ ማሓበር ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ኩሉ መዳያዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝኣምን ምንቅስቃስ ኮይኑ፣ ድሕሪ ምውዳቅ ስርዓት ህግደፍ ድማ ብኣገባብ መረጻ ተመጣጣኒ ውክልና(proportinal representation) ዝቀውምን፣ ብዝሓ ሰልፍታት (multi party) ዘፍቅድን፣ ኣብ ናጻ ዕዳጋ (free market) ዝመሰረቱ ቁጠባዊ ዕብየት ዝኣምንን፣ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘረጋግጽን፣ ባይቶኣዊ መንግስቲ (Parliamentary Government) ንምትካል እዩ ክብል ኣብሪሁ።

ኣቶ ዓንደብረሃን ብተወሳኺ ምስቅንቓሶም ምስ ዝኾነ ብቻርተር ዝመሳሰሎ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ማሕበር ክሰምር፣ ምስ ዝኾነ ብመትከል ዘይጻረሮ ድማ ሓቢሩ ክሰርሕ ድልው ምዃኑ ኣበሲሩ። ድሕሪ ናይ ሕቶታትን ሪኢቶታትን መድረኽ ድማ ተሳተፍቲ ኣኼባ ብኣባላት ማሕበር ብዝተቀረበሎምን እክለ ማይ ተዓንጊሎም፣ ኣብ ናይ ወጋሕ ትበል ለይቲ ባህላዊ መደብ ሓዲሮም።

 

Last modified on Tuesday, 06 March 2018 21:30