ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2018-02-19 20:03:39 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 2593 times

ብዕለት 18.02.2018 ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ኣብ ዘካየዶ ወርሓዊ ኣኼባ፡ ብኣቦ-መንበር ጨንፈር ብናይ ሰናይ ምንዮት ምስ ተኸፈተ፡ ኣብቲ ኣጀንዳታት ተኣትዩ። ብቐዳምነት ብዘይ ዲሲፕሊን ዝዕወት ቃልሲ ስለ ዘየለ፡ ኣብ ጉዳይ ሰልፋዊ ዲሲፕሊን ሓጺር መእተዊ ብሽማግለ ጨንፈር ቀሪቡ።

ካብኡ ቀጺሉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝነበረ ኣኼባኡ፡ ጨንፈር ብዛዕባ እቶም ብህዝባዊ ውሳኔ ጥራሕ ክቖሙ ዘለዎም ንምሉእ ህዝቢ ዝምልከቱ ጉዳያት ከም ሃገራዊ ቅዋም፡ ሃገራዊ ሰንደቕ ዓላማ፡ ሃገራዊ መዝሙር፡ ሃገራዊ ባጤራ፡ ጉዳይ መሬት ... ወዘተ፥ ዝኣመሰሉ ብሓፈሻ ተዘራሪቡሎም እዃ እንተነበረ፡ኣብዚ ተጠቂሱ ዘሎ ዕለት ናይ ወርሒ ለካቲት 2018 ግን፡ ብፍላይ ንጉዳይ ባንዴራ ወይ ሰንደቕ ዓላማ ዝምልከት ብጻይ ታደሰ ኣስመላሽ ሰፊሕ እስተምህሮ ንኣባላት ሰልፊ ኣቕሪቡ። ካብቲ ብጉዳይ ሰንደቕ ዓላማ ክፍለጥ ዝግብኦ ዝቐረበ ኣስተምህሮ መግለጺ ኣቦ-መንበር ብጽሞና ድሕሪ ምክትታል፡ ኣኼበኛታት ብመልክዕ ሕቶን መልስን ክትዓትን ብምክያድ ነቲ ዝቐረበ መግለጺ ከሀብትሙዎ ክኢሎምን ኣብ ጽቡቕ ሓባራዊ ተረድኦ ብምብጻሕ ደምዲሞምን። እቲ መግለጺ ኣኼበኛታት መወከሲ መታን ክግልገልሉ ብጽሑፍ መልክዕ እውን ተዓዲሉ።

እዚ ድማ ኣብ ደምበ ተቓውሞ፡ ኣብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጉዳያት ሓደ ዓይነት ኣረኣእያ ክህሉ ስለ ዝግባእ፡ ግዜኦም ኣብ ዘይሓለዉ ጉዳያት እናተሰሓሓብና ንዕድመ ስልጣን መላኺ ስርዓት ከይነናውሕ ከነስተዎል ከም ዝግበኣና ኣኼበኛ ምሕጽንታኡ ብምግላጽ 2 ሰዓትን ፈረቓን ዝወሰደ ቀዳማይ ክፋል ኣኼባኡ ብዝክረ ሰማእታት ዛዚሙ። ካላኣይ ክፋል ኣኼባኡ ድማ ምስቶም ኣብ ካስልን ከባቢኡን ዘለዉ ኣባላት ብተመሳሳሊ ክቕጽል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።  

ምሉእ ትሕዝቶ ዝቐረበ ኣስተምህሮ ብፍሉይ ቀሪቡ ስለዘሎ ንምርኣይ ይካኣል።

Last modified on Monday, 19 February 2018 21:28