ሰዲህኤ፡ ንጽቡቕ ዝምድና ምስ ሓው መንግስቲ ሱዳን ይጽውዕ

2018-02-08 08:50:43 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2914 times

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ6 ለካቲት 2018 ኣገደስቲ ነጥብታት ብምዝርዛር ናብ ጐረቤት መንግስቲ ሱዳን መዘክር ልኢኹ። ኣብቲ መልእኽቱ፡ ሀ) ብሰንኪ ኣብዚ ዞናና ዝምዕብል ዘሎ ወጥሪ ኣብ ኤርትራዊ ተቓውሞ ሓዲሩ ዘሎ ሻቕሎትን ስግኣትን። ለ) ዝርዝር ሓው መንግስትን ህዝብን ሱዳን ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ክገብሮ ዝግባእ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን፡ ዝብሉ ሓሳባት ኣብቲ መዘክር ተጠቒሶም። 

እቲ ብሰዲህኤ ናብ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሱዳን ኢራሂም ጋንዶር፡ ቅዳሑ ድማ ናብ ብዙሓት ኤምባሲታት መንግስቲ ሱዳን ዝተላእከ መዘክር፡ ግደ ሱዳን ኣብ ምድጋፍ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ዘኪሩ፡ ኣብዚ ብሰንኪ ባዕሉ ዘይተኣማንነቱ ዘረጋግጽ ዘሎ ናይ ሓደ ሰብ ግዝኣት፡  ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ እቲ ጽቡቕ ዝምድና ሱዳንን ምእንቲ ለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራውያንን ክድልድል ዘለዎ ትጽቢት ገሊጹ።

 

እቲ መዘክር፡ ሱዳን ኣብዚ ዞና ዘንጸላሉ ዘሎ ወተሃደራዊ ወጥሪ ንምዕጻፍ ኩሉ እትኽእሎ ዘበለ ንክትገብር ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዝርከቡ ኤምባስታታ ኣብ ወጻኢ ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ከም ዝተሓጋገዙን ዝተሓባበሩን ንክትገብር ኣዘኻኺሩ። እዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ መዘክሩ፡ ካብ ህዝብን መንግስትን ሱዳን ዝጠለቦም እዮም።

 

 

  • ሓው መንግስቲ ሱዳን ምስቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ተዅታዂ ኣካል ኣብ ወተሃደራዊ ጐንጺ ካብ ምእታው ክዕቀብ። ምኽንያቱ ወተሃደራዊ ጐንጺ ነቲ ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ ዘሎ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምግዳድ ሓሊፉ ፍታሕ ስለ ዘየምጽእ። 

 

  • መንግስቲ ሱዳን ንፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ማይ ፈለግ ኒል ብዝምልከት ንዝወሰዶ መርገጽ ንንእድ። ነዚ ንሓባራዊ ኣጠቓቕማ ህዝብታት ከባቢ ፈለግ ኒል ዘውሕስ ለባም ኣተሓሕዛ ከኣ ነተባብዕ።
  • ሚኒስትርኹምን መንግስትኹምን ምስቲ ዘይእሙን መንግስቲ ኢሳይያስ ኣፈውርቂ ዝምድናኡ ምሉእ ብምሉእ ከየመሓይሽን ናይቲ መንግስቲ ልኡኻት ናብ ከተማታት ሱዳን ዳግማይ ተመሊሶም ነቶም ኣብ መደበር ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ሓለዋኹም ልግስኹን ዝርከቡ ዓሰርተታት ኣሸሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ከሳቕዩን ከሸብሩን ከይፍቀደሎም ንጽውዕ።  
  • እቲ ጠቕሊልካ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ምዕጻው ድሮ ኩነታት ህዝብና ከጋድድ ጀሚሩ ኣሎ። ስለዚ እቲ ምቁጽጻር ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ልኡኻት መንግስቲ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ሕጋዊ ምንቅስቓስ ህዝብን ንግድን ኣብቲ ዶብ ክፍቀድ ንመንግስትኹም ንጽውዕ። እዚ ኣተሓሕዛዚ ነቲ ንዓኻትኩምን መላእ ዞናናን ክጸልው ዝኽእል ዘጋጥም ዝለዓለ ሰብኣዊ ህልቂትን ቅልውላውን ከድሕን ስለ ዝኽእል። 
  • ሱዳን ነቲ ኣንጻር ኩሉ ዓይነት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ግህሰትን እተካይዶ ዘላ ቃልሲ ክትቅጽሎ።
  • ኣብ መወዳእታ ክቡር ሚኒስትሪኹም ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ዝርከቡ ኤምባስታቱ ኣብ በበይኑ ኩርነዓት ንዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዝተሓባበሩን ዝሕግዙን ክገብርን ንርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ሱዳናውያንን ኤርትራውያን ከተባብዕን ንጽውዕ።

 

Last modified on Thursday, 08 February 2018 09:57