ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ስሩዕ ናይ ኣባላት ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣካይዱ

2017-11-19 06:24:39 Written by  ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ Published in EPDP News Read 2855 times

ሎሚ መዓልቲ ቀዳም 18 ሕዳር 2017 ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝተጸወዐ ናይ ኣባላት ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣኼባ ኣብ ህዝብና ብመላኺ ስርዓት ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ንምዝካር ብናይ ሕልና ጸሎት ተኸፊቱ። ብድሕሪ’ዚ ኣብ’ዚ ዝስዕብ ኣጀንዳ ተመያይጡ፡

1)    እዋናዊ ሓበሬታት፡

  • ነቲ ብ31 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝተራእየ ተባዕ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ደገፉ ገሊጹ። ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም፡ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝብና ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንምድጋፍ ዘካይዶ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣሞጒሱ።
  • ኣብ ከባቢና ናይ ዝኸይድ ዘሎ ምዕብልናታት ሓበሬታ ተለዋዊጡ።

2)    ብናይ ጎሽጓሽን ናይ ገንዘብን ናይ ዜናን ዲፕሎማሲን ሽማግለታት ናይ ስራሕ ጸብጻብ ቀሪቡ።

3)    ህጹጽ ጉባኤ ናይ ሰሜን ኣሜሪካ ዝካየደሉ ግዜን ኣገባብን ወሲኑ።

ክንዕወት ኢና!

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ

18 ሕዳር 2017

Last modified on Sunday, 19 November 2017 07:29