ሰላማዊ ሰልፊ ስቶክሆልም ብልዝብ መሕዝነት ተዛዚሙ።

2017-11-03 22:08:46 Written by  ልኡኽ ሓርነት ኦርግ ካብ ሽወደን Published in EPDP News Read 2965 times

እዚ ናይ ዕለት 3 ሕዳር 2017 ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ሽወደን ስቶክሆልም ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ብኣገባቡን ልዝበት ተኻፈልቱን ሓድነታዊ ባህሩን: ነቲ ኩሉ ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ጒጅለ ህግደፍ ብዝለዓለ ደረጃ ዝዓበየ ክሳብ 1000 ዝጋማገም ህዝቢ ዝተኻፈሎ ኮይኑ ዕላምኡ ዝወቕዐዩ ነይሩ።

ኣብ ሓጺር ግዜ ዝተጸወዐን ዝተዳላወን እኳ ይኹን እምበር ብዚሒ ተኻፍልቲ ዘኹርዕ ኮይኑ ንኹሉ ማሕበራዊ ክፍልታት ሕብረሰብ ዝወከለ ምንባሩ እቲ ኻልእ መልክዑዩ። ደቀንስትዮ: ደቂ ተባዕትዮን ልዕሊ ኹሉ ከኣ እቶም ተስፋ መጻኢት ደሞክራስያዊት ሃገረ ኤርትራ ዝኾነ መንእሰያት ብብዝሒ ምስታፎም ጥራይ ዘይኮነ: ኣብ መደረኦም ካብ ዝተሰምዐ ዘሐብን ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባረቐ ምንባሩዩ።

እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ነቲ ህግደፍን መሓውራት ጸጥትኡን ብሰሉስ 31 ጥቅምቲ 2017 ህዝቢ ኣስመራ ብሓፈሻ: ህዝቢ ኣኽርያን ከባቢኡን ድማ ብፍላይ: ተቛውምኡ ንምግላጽ ኣብ ዝወጸሉ: ወተሃደራት ህግደፍ ጠያይቲ ብምዝናብ ንዝገብርዎ ግፍዒ ንምቁዋምዩ። እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ነቲ ህግደፍ ክገብሮ ዝጸንሐ ምድርቋስ እምነታት ሃይማኖትን ምዝማት ንብረቶምውን ዘኪሩዩ። ብተወሳኺ መደርቲ ሰላማዊ ሰልፊ ነቲ ብዘይ ኣፈላለይ ንኽብርታትን ባህልን ማሕበራዊ ሂወት ህዝቢ ኤርትራ ድሂኹ፣ ንህዝቢ ፋሕ ብትን ከም ዝብል ዝገበሮ ዘሎ ጽዩፍ ተግባራቱ ብምጥቃስ: ብነድሪ ኲነነኦም ንህግደፍን መሓውራት ጸጥጥኡን ኣስሚዖም። ልዕሊ ኩሉ ድማ ንሓድነት ኣመንቲ ዝተፋላለያ ሃይማኖታትን ተቛወምቲ ደሞክራስያውያን ሓይልታትን ኣብ ሓደ መኣዲ ኣኪቡ ኣንጻር ምልካውነት ብሓባራዊ ኣካልን ርእይቶን ደው ዝበለ ህዝቢ ምርኣይ: ዕድመ ምልካውነት ኣብ ኤርትራ  እናሓጸረ ይኸይድ ከምዘሎ ዘርኢ ፍጻመ ምንባርዩ።

እቲ መልእኽቲ ምሕዝነት ሰላማዊ ሰልፊ ንሰፊሕ ህዝብና ላዕላይ ቦታ ዝሃበ ኮይኑ ንጸበብኡ ኣብ መድረኽ ኣውጽኡ ንራህውኡ ብቐጻሊ ልዝብን ሓድነትን ኣንጻር ምልኪ ክቃለስ ድምጹ ዘቃለሐ ሰላማዊ ሰልፊ ምንባሩ ተኻፈልቲ ኣድናቐቶም ብምንባር ታሪኻዊ ፍጻመዩ ኢሎሞ ኣለው።

ልኡኽ ሓርነት ኦርግ ካብ ሽወደን።

Last modified on Friday, 03 November 2017 23:32