ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ዞባ ኤውሮጳ ኣኼባ ኣካይዱ

2017-10-23 16:00:56 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2866 times

ብወይዘሮ ኣልጋነሽ ይስሃቅ ምክትል ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጸወዓ ኣኼባ ኣባላት ምምሕዳር ዞባ ኤውሮጳ ናይቲ ቤት ጽሕፈት፡ ብ21 ጥቅምቲ 2017 ተኻይዱ። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ኣኼባ፡ኣብ 8ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ናይዚ ቤት ጽሕፈት ሓዳስ ሓላፊት ኮይና ንዝተመዘዘት ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ወ/ሮ ኣድያም ተፈራ ንምልላይን ምስ ዝሕለፈ ስረሓት ናይቲ ቤት ጽሕፈት ንምልላይን ከም ዝነበረ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ።

ኣብዚ ኣኼባ ኩነታት ደቂ ኣንስትዮ ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ ከመይ ከም ዝመስልን ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝርከብን ብኣባል ምምምሕዳር ናይቲ  ዞባ ወ/ሮ ኣልጋነሽ ያቆብ ሰፊሕ መበገሲ ጸብጻብ ቀሪቡ። ወይዘሮ ኣድያም ተፈራ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ  ንዝጸነሓ ስረሓት ዝምልከት ጸብጻብ ምስ ቀረበ፡ ንዓኡ መሰረት ብምግባር ብዛዕባ እቲ ቤት ጽሕፈት ንመጻኢ ሒዝዎ ዘሎ ዕማም ምስ ተሳተፍቲ ኣኼባ ተመያዪጣ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ኣኼባ ኣብ ኩሉ ዞባታትን ጨናፍርን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ደቂ ኣንስትዮ ተኣኪበን ብዛዕባ መጻኢ መደባት እቲ ቤት ጽሕፈት ተራኺበን ዝመያየጣሉ ግዜ ብምውሳን ከም እተዛዘመ እቲ ቤት ጽሕፈት ብተወሳኺ ገሊጹ።

Last modified on Wednesday, 25 October 2017 10:14