ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ሰልፊ ዕዮ Arbeidparti ሃገረ ኖርወይ ርክብ ኣካይዱ።

2017-10-13 19:30:28 Written by  ጨንፈር ኖርወይ ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 4011 times

ኣቦ መንበር ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ ሰልፊ ሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዕለት 12 ጥቕምቲ 2017 ኣብ ከተማ ኦስሎ ዑደት ብምክያድ፣ ምስ ሰልፊ ዕዮ ናይታ ሃገር ተራኺቡ፣ ኣብ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቓን ኣብ ኩነታት ሃገረ ኤርትራን ዘተኮረ ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዱ።  ሰልፊ ዕዮ ካብ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ኖርወይ ዝዓበየ ሰልፊ እዩ።

ልኡኽ ሰልፊ ኣብ ርክቡ ንኩነታት ሃገርናን ህዝብናን  ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብሪሂ፣ ኩሉ ፖለቲካውን፣ ወተሃደራውን ሓይልሊ ኮነ ሰብኣውን ባህርያውን ጸጋታት ብሓደ ሰብ ተገቢቱ፣ ንሊዕሊ 26 ዓመታት ብናይ ሓደ ሰብ ምልኪ ዝመሓደሩ ህዝብን ሃገርን ከምዘለዉና፣ ከም ሳዕቤን ናይዚ ማእለያ ዘይብሉ መንእሰይ ሃገር ገዲፉ ይስደድ ከምዘሎ፣ ኣፍርዪ ክፋል ህዝባ ገሊኡ ንስደት ብምምራሕ፣ ገሊኡ ድማ ኣብ ትሕቲ ደረት ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ተታሒዙ፣ ስራሕን ኣፍራይነትን ስለዘየሎ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ድኽነት ዝሰፈና ሃገር ከምዘላትና ኣዘኻኺሩ።

ልኡኽ ሰልፊ ሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ መብሪሂኡ ብምቅጻል፣ ከም ውጺእት ናይዚ ኩነታትዚ ኩሉ ዜጋ ብሓፈሻ መንእሰይ ድማ ብፍላይ ሃገር ገዲፍካ ብምውጻእ፣ ኣብ ሳልሳይ ሃገር ዕቁባ ንምሕታት ማእለያ ብዘይብሉ ቁጽሪ ይውሕዝ ስለዘሎ፣ መጻኢ ኩነታት ሃገርናውን እንተኾነ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኮይኑ ኣሎ ክብል ገሊጹ። ብኻልእ ወገን ድማ ተቃውሞ ናይ መላኺ ስርዓት ኣስመራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሃገር ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ እንዳ በዝሐን እንዳሓየለን መጺኡ ከምዘሎ ኣረዲኡ። ውሽጣዊ ተቃውሞ ካብ ብፖለቲካውያን ማሕበራት ንላዕሊ ብህዝቢ የካየድእኳ እንተሃለወ፣ ተወዲቡ ንኸይንቀሳቐስን፣ ዓው ኢሉ ተቃውሞኡ ንኸይገልጽን ግን፣ ስርዓት ኣስመራ ዝጥቀመሉ ኣርዓዲ ስጉምትታት ንግዝዪኡ ጸቒጡ ሒዝዎ ኣሎ ክብል ገሊጹ።

ሰልፊ ሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ሃገራዊ ሓላፍነት ብምስካም፣ ንህዝቢ ኤርትራ ወዲቡን ጠርኒፉን ብምቅላስን፣ ምስ ህዝቢ ዓለም ተሓባቢሩን ነዚ ናይ ምልኪ ስርዓት ብደሞክራስያዊ ስርዓት ብምትካእ፣ ንህዝብናን ሃገርናን ካብ ምልካዊ ምሕደራ ናብ ደሞራስያዊ ምሕደራ ክሰጋግር፣ ካብ ዝምስረት ክሳብ ሕጂ ረዚን ሃገራዊ ሓላፍነት ተሸኪሙ ዝቃለስ ሰልፊ ምዃኑ ኣብሪሁ። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምውህሃድን ሓባራዊ ስራሕን ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ከም ቀዳማይ ሰጉምቲ ጉዕዞ ዓወትና ገይሩ ብምውሳድ፣ ዝተፈላለዩ ናይ ሓድነትን ሓባራዊ ስራሕን እማመታት ኣዳልዩ የነጥፈሉ ከምዘሎ ብምሕባር፣ እዚ መደባት እዚ ዕዉት ኮይኑ ንኽርከብ ግን ምስ ሰፊሕ ተሳትፎ ህዝብና እንተላይ ደገፍ ህብረተሰብ ዓለምናንውን ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቡ። ብተወሳኺ ሰልፊ ሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም መስራቲ ኣባል ኣህጉራዊ ምሕዝነት ገስገስቲ ሓይልታት (Progressive Alliance) ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ተርኡ ክዓምም ምዃኑ ኣረጋጊጹ።  መንግስቲ ኖርወይን ሰልፊ ዕዮ ኖርወይን እውን ኣብ ኤርትራ ነባሪ ፍታሕ ንኽመጽእ ኣብዚ ንደምበ ተቃውሞ ኣብ ምውህሃድን ምጥርናፍን ይካየድ ኣብ ዘሎ ጻዕሪ ልዑል ታራ ክጻወቱ ኣተሓሳሲቡ።

Norway Deligation 12.10.2017 3

ነዚ ልኡኽ እዚ ተቀቢሉ ዘዘራረበ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ናይቲ ሰልፊ ዝኾነ ኣቶ ኦድ-ኢንገ ከቫልሀይም ( Mr. Odd-Inge Khvalheim) ብወገኑ፣ ብቃልሱ ናጽነቱን ልዑላውነቱን ዘረጋገጸ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጽባሕ ናጽነቱ ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ኣብ ከምዚ ናይ ምብትታን ኩነታት ክርከብ ናይ ብሓቂ ካብቶም ንሰልፍናን መንግስትናን ንህዝቢ ዓለምን ካብ ዘሻቅሉ ኩነተት እዩ። እታ ናይ ደሞክራስያዊ ምሕደራን ቅልጡፍ ምዕባለን ኣብነታዊት  ሃገር ክትከውን እያ ተባሂላ ብህዝቢ ዓለም ዓቢ ተስፋ ዝተነብረላ ኤርትራውን፣ ሎሚ ኣብ ከምዚ ኩነታት ክትርከብ ናይ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ። ሰልፊ ሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እተካይድዎ ንዘሎኹም ዘይሕለል ኣተስፋዊ ጻዕርታት፣ ብምብጻሕኩም ጥራይ ዘይኮነስ በቲ በቢእዋኑ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ናይ ሰልፍኹም ዝሰደልና ኢመይላት ንከታተል ኢና። ዓወት ንምነየልኩም። ብወገነይ ንኩነታት ሃገርኩምን ህዝብኹምን፣ ንምብጻሕኩምን ኣብ ናይ ሰልፍና ኣኼባታት ከም ዛዕባ ተላዒሉ ክረአ ዓቅመይ ክገብር እየ። ንስኹም ግን ናይ ካልኦት ደገፍን ተመኩሮን ንኽትረኽቡ ጻዕርታትኩም ኣይተቋርጹ፣ ንኣሕዋት ዝኾኑ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን ካብዚ ናይ ነዊሕ ግዜ ኣይሰላም ኣይ ውግእ ኩነታት ወጺኦም፣ ኣብቲ ናይ ቀደም ሰላማውን ሕውነታውን ጉርብትና ተመሊሶም ንኽንርእዮም ተስፋ እገብር ክብል ሰናይ ድሌቱ ገሊጹ።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ዕዮ ምብጻዕ ዘካየደ ላዕለዋይ ልኡኽ ሰልፊ ሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣቦ መንበር ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት፣ ተጋላይ ተስፋይ ወልደሚካኤል/ደጊጋ/ ዝመርሖ ኮይኑ፣ ኣቦ መንበር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝጊ፣ ዋና ጸሓፊ ጨንፈር ኖርወይ ብጻይ ካሊፋ ዓብደላ፣ ተሓዝ ገንዘበን ንብረትን ጨንፈር ኖርወይ ብጻይ ሙሴ ዓማርን ወኪል ወጻኢ ዝምድናታት ኣብ ጨንፈር ኖርወይ ብጻይ ዑስማን ጃብርን ዝሓቆፈ ነይሩ።

ሓላፊ ውደባዊ ጉዳያት ተጋደላይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ቀጺሉውን ኣብ ቀዳም ዕለት 14 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ከተማ ኦስሎ ሓደ ናይ ኣባላት ሰልፊ ኣኼባን፣ ሓደ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባን ከካይድ መደብ ሒዙ ከምዘለ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ዕወት ንውጹዕ ሃብና!!

ዜና ጨንፈር ኖርወይ  ሰህኤ

Last modified on Friday, 13 October 2017 21:53