ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ።

2017-09-19 15:36:02 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 2571 times

ብዕለት 17.09.2017 ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣኼባ ብኣቦ መንበር ጨንፈር ንኣኼበኛታት እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ብምባልን፡ ሰዓት ኣኽቢሮም ብምምጽኦም ብምምስጋንን እዩ ኣኼባ ተኸፊቱ። ናይቲ ኣኼባ ኣጀንዳታት ድማ ተገሊጹ። ዝነበሩ ኣጀንዳታት ድማ፡-

1 -  እዋናዊ ሓበሬታታት ውሽጣውን ግዳማውን ንጥፈታት ሰልፍናን ደምበ ተቓውሞን ምልውዋጥ፤

2 - ገምጋም ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2017፤

3 - ኣበዓዕላ ሓደ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ሰውራ ኤርትራ፤

ኣጀንዳታት ሓደ ብሓደ ተኣትዮም ድማ ሰፊሕ ምርድዳእ ተገይሩሎም። ኣብ ቀዳማይ ኣጀንዳ ድማ ሰልፍና ዘሳልጦ ዘሎ ናይ ሰልፊ ምሕዳስ መደባትን ጽፈት ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ሰልፊን ብምንኣድን፡ እቲ ምስ ካልኦት ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ንምልዛብ ዘውጽኦ እማመ ገለ ኣወንታዊ መልሲ ብምርካቡን ኣኼበኛ ትስፉው ምዃኑ ርእዩን። ከምኡ‘ውን ነቲ ብዛዕባ እቶም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ኢጣልያ  ግቡእ መሰል ናይ ወዲሰብ ተነፊጉዎም ኣብ ጽርግያ ተደርብዮም ንዘለዉ፡  መንግስቲ ኢጣልያ ኣቓልቦ ክገብረሉን ኣቦ መንበር ሰልፊ ናብ መንግስቲ ኢጣልያ ንዝጸሓፎ ኣብየቱታ ኣሞጒሱ። ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ይካየድ ንዘሎ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰልፍና ድማ ዕዉት ኮይኑ ንክወጽእ ትምኒቱ ገሊጹ።

ከምኡ‘ውን ብዛዕባ‘ቲ ብዕለት 10 መስከረም ኣምበሳደር ዶክቶር ዓንደብርሃን ኣብ ፍራንክፎርት ዝገበሮ ህዝባዊ ኣኼባ ኣኼበኛ ተዘራሪቡሉን ኣዎንታዊ ምንባሩ ገምጊሙን። ዶክቶር ዓንደብርሃን ብዛዕባ ኣሰታትፋ ኣብ ቃልስን፡ ብዛዕባ ሓድነት ተቓዋሚ ሓይልታትን፡ ከምኡ‘ውን ነቲ ምልካዊ ስርዓት ዘበላሽዎን ዝዘምቶን ዘሎ ሃብቲ ሃገር ተሓታትነት ንክህልዎ ካብ ሕጂ ክንሓስበሉን ከነጽንዖን ዘሎና ጉዳይ ምዃኑን ብዝርዝር መሃሪ ዝኾነ መግለጺታት ዝሃቦ፡ እቶም ኣብቲ ኣኼባኡ ዝተሳተፉ ኣባላት ጨንፈርና ብሰፊሑ ድሕሪ ምብራህ ኣኼበኛ ካብ ክግበር ዘለዎ ናይዚ እዋን ዕማም ምዃኑ ኣገምዚቡ። ኣብ ሕቶን መልስን ምስ ተኣትወ ድማ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ዘዕግብ መልሲ ሂቡሉ። ከምዚ ዝኣመሰለ መሃሪ ኣኼባታት ድማ ብኩሎም መራሕቲ ሓይልታት ተቓውሞ ክልመድ ከም ዘለዎ ኣኼበኛ ተማሕጺኑ።

Frankfurt Branch Meeting 17092017

ብድሕሪ‘ዚ ድማ ኣብቲ ካልኣይ ኣጀንዳ ተኣትዩ፡ ፈስቲቫልና ናይ 2017 ልክዕ ከምቶም ካልኦት ዝሓለፉ ፈስቲቫላት ሰልፊ ንኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኣሳታፍን፡ መሃርን፡ መቀራረብን ምንባሩን፥ ናይ ሰልፍና ግሉጽነት ናይ ቃልስን ዕላማናን ኣሰራርሓናን ንህዝብና እነቃልሓሉን ብምንባሩ ኣኼበኛ ገምጊሙ። ንዝነበሩ ሕጽረታት ድማ ክንመሃረሎምን እናኣረምናዮም ክንከይድን ተላብዩ።

ኣብ መወዳእታ‘ውን ነቲ ኣበየኩርናዕ ዓለም ክካየድ ዝቐነየ በዓል ሓደ መስከረም ምጅማር ሰውራ ኤርትራ ብምጥቃስን፡ ታሪኽ ኣጀማምራ ሰውራና ድማ ብምትንታንን ኣኼበኛ ተዘራሪቡሉ። እዚ ዓመት መጸ ዝበዓል ዕለት‘ዚ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ንምድንጋር ብጓይላን ናይ ምትላል መደረታትን እኳ እንተሕለፉዎ፡ ንዝነበረ ናይ ህዝብና ዕላማን ብጽኑዕን ውፉይን ቃልሲ ዝመጸ ሃገራዊ ነጻነትን ጨውዮም፡ ንህዝቢ ዝኸፍአ ባርነት ከም ዘውረዱሉን፡ ሃገር ኣብ ናይ ህዝባ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተቐየረትን፡ በብተራ እናጠቕሱ ኣኼበኛታት ዘትዮም። ንሕና ደለይቲ ፍትሒ እምበኣር፡ እቲ እነብዕሎ ኣገባብ ኣበዓዕላ ካብቲ ናይ ህግደፋውያን ዝተፈለየ ኮይኑ፡ ነቲ ቀዳማይ ዕማም ሰውራ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሃገራዊ ነጻነት በዓል ብምምጓስን፡ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ካልኣይ ዕማም ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝብና ንምሕናኑን ንምርግጋጹን ድማ ሓይልና ኣወሃሂድና ነዛ ዕለት እዚኣ ከም መንጠሪ ክንጥቀመላ ከም ዘሎና ኣኼበኛ ኣስሚሩሉ። ኣብ መጠረስታ፣ ጉዳይ ሓተትቲ ዕቑባ ኤርትራውያንን ኣብዚ እዋን ጀርመናውያን ዝኽተልዎ ዘለዉ ኣገባብን ሓደስቲ ውሳኔታቶምን እውን ብሰፊሕ ተሓቢሩን ተዘትይሉን ኣኼባ ኣብ ሰዓቱ ተደምዲሙ።

Last modified on Tuesday, 19 September 2017 17:41