ጨንፈር ኖርወይ ስሩዕ ጨንፈራዊ ኣኼባ ኣቃኒዑ

2017-09-19 00:34:56 Written by  ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ Published in EPDP News Read 2781 times

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ ብዕለት 17 መስከረም 2017 ብርክት ዝበሉ ኣባላት ጨንፈር ዝተረኽቡሉ ስሩዕ ጨንፈራዊ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣብ ሰዓታት ናይ ድሕሪ ፋዱስ ኣብ ከተማ ኦስሎ ዝተኻየደ ኣኼባ ሓያለይ ኣባላት ጨንፈር ተረኺቦም፣ ኣብ ዝተሰርዐ ናይ ዕለቱ ኣጀንዳታት ርሱን ክትዓት ኣካይዶም። ካብ ዘድሃበሎም እዋናውያን ኣጀንዳታት ሃለዋት ሰልፊ ብሓፈሻ፣ ህይወት ጨንፈር ድማ ብፍላይ ዝብል ኮይኑ ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዶምሉ።

ተጋባእቲ ኣኼባ ንህይወት ጨንፈር ብዝምልከት ኣብ ዘካየድዎ ምይይጥ፣ ጨንፈር ካብ ዝምስረት ክሳብ ሕጂ ብመሰረት ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን ሰልፊ ዝሰፈረ መትከላት ሰልፊ ንድሕነት ሃገርን ህዝብን፣ መልካዊ ስርዓት ብደሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ምትካእን ዓቅሙ ዘፍቅዶ ኣበርክቶ ከበርክት ከም ዝጸንሐ ገምጊሙ። እንተኾነ ጉዳይ ሃገር ንኹሉ ህዝብን ንነፍሲ ወከፍ ዜጋን ብምዕረ ዝምልከቶን ዝብጸሖን ጉዳይ ስለዝኾነ፣ ካብዚ ተረድኦዚ ነቂሉ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ብዝተሓተ ደረጃውን እንተኾነ እጃሙ ከበርክት፣ ህዝባዊ ጻዊዕቱ ከሕይል ከምዘለዎ ተሰማሚዑ። ብዘይካዚውን ኣብ ዝቅጽል ዘሎ ውርሒ ናብ ዝካየድ 7ይ ስሩዕ ዓመታዊ ጉባኤ ጨንፈሩ፣ ካቢ ሕጂ ምድላዋት ክገብር ከምዘለዎን፣ ብዕቱብ ክስረሓሉ ከምዘለዎን ኣኼበኛታት ተሰማሚዖም።

ኣብ ህይወት ሰልፊ ኣትዮም  እውን ሽማገለ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ነበርን ገለ ሰዓብቶምን ክወስድዎ ዝጸንሑ ዘይሕጋውን ዘይቅዋማውን ስጉምትታት ንነፍሲ ወከፉ በቢሓደ ብምርኣይ ኩሉ ብጥሕሰት ቅዋም ሰልፍናን መምሪሕነታት ሕጋዊ መሪሕነታት ክካየድ ዝጸንሐ ካፋል ናይቲ ኣብ ምፍንጫል መቃልስቲ ኣሕዋት ዝመርሕ ሓደገኛን መርዛምን ክፋል ፖለቲካ ኤርትራ ምዃኑ መዚኖም። ኮይኑ ግን ኣብ ሓደ ሰልፊ ንሃሉ ኣይንሃሉ ብዘየገድስ ኩሉ ሃገራዊ ሓላፍነት ተሸኪሙ ንድሕነት መላእ ህዝብን ሃገርን ዝነጥፍ ኣካል ከም ኣካል ሰልፊ ከምእንርእዮ ዘየወላልውል መርገጺ ጨንፈር ከምዝኾነ ኣነጺሮም። እንተኾነ ግን ምፍንጫል ንረብሓ መላኺ ስርዓት ኢሰያስ እንተዘይኮይኑ፣ ንረብሓ ህዝብን ንረብሓ ደምበ ተቃውሞን ከምዘይኮነ ካብ ሕሉፍ ተመኩሮ ቃልስና ተገንዚቦም፣ መሪሕነት ዞባ ሽማገለ ኣመሪካ ነበርን መኻይድቶም ዝኾኑ ገለ ኣባላትን ኣብ ፍይስቡካትን፣ መርበብ ሓበረታታትን፣ መደበራት ፓልቶክን፣ ዘየርብሕ ናይ ምፍንጫል ነጋሪት ካብ ምድሳቅ ክቁጠቡ ጸዊዕም።

መርሕነት ሰልፍውን ብዝረአ ዘሎ ናይ ውልቀ ሰባት ታህዲድ ከይተሰናበደ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ቅዋም ስለፊ ተኸቲሉ ክመርሑን፣ ንዝኾነ ኩነታት ብመሰረት ቁዋምና ክውጅህዎን ኣኼበኝእታት ተላብዮም።

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ! ክብርን ሞገስን ንስዉኣትና!!!

ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ

Last modified on Tuesday, 19 September 2017 02:37