መሪሕነታዊ ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ ኣልቦርግ ጉባአ ደንማርክ ማሕበራዊ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ተሳቲፉ

2017-09-18 06:54:01 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2600 times

መሪሕነታዊ ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)  ኣብ ሰሜናዊ ደንማርክ ኣልቦርግ ብ16 መስከረም 2017 ኣብ ዝተኸፍተ  ጉባአ ደንማርክ ማሕበራዊ ደሞክራስያዊ ሰልፊ (ደማዲሰ) ተሳቲፉ። ኣባላት እቲ ልኡኽ፡ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ኣቶ ተኽለ መለኪንን ኣቶ ኣማኑኤል በራኽን እዮም።

ኣብቲ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ጉባአ፡ ልኡኽ ሰዲህኤ ብኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ኣደመንበር ደማዲሰ ወይዘሮ መተ ፍረደሪክሰን ዝተለእኸ መልእኽቲ፡ ናብ ናይቲ ሰልፊ ዓለም-ለኻዊ ሰክረተር ኣቶ ሲሞን ረደር ቶምሰን ኣረኪቡ። ትሕዝቶ’ቲ መልእኽቲ ንኣባላት እቲ ልኡኽ ሰዲህኤ ዘላሊ፡ ንተሳትፎ ሰዲህኤ ኣብቲ ጉባአ ዘመጉስን  ነቲ በቲ ተሳትፎ ዝተረኽበ  ርክብ ኣቢልካ ብዛዕባ ክልተኣዊ  ዝምድና ኣሕዋት ሰልፍታት ዝርርብ ናይ ምግብራ ዕድል ምፍጣሩ ዝንእድን እዩ።  ክልቲአን ኣሓት ሰልፍታት ኣብ 2013 ኣብ ሊያፕዚግ ጀርመን ኣባላት መስራቲ ጉባአ  ገስጋሲ ምሕዝነት እየን ነይረን።

Social Democratic Party Congress in Aalborg 2

ኣቦመንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ መልእኽቱ ብዛዕባ ምህዳም ኤርትራውያን ካብ ሃገሮምን ኩነታት ስደተኛታትን ኣብ ዝጠቐሶ እቲ እንኮ ግብራዊ መፍትሒ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ  ጨቋኒ ስዓት ምውጋድ ምዃኑ ጠቒሱ። እዚ ከኣ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ንኣውንታዊ ለውጢ ይቃለሱ ንዘለዉ ኤርትራውያን ብምሕያል ዝካየድ ምዃኑ ጠቒሱ።

 

Social Democratic Party Congress in Aalborg 3

ልኡኽ ሰዲህኤ ምስ ኮሚሽነር ሕብረት ኤውሮጳን ልኡኽ ግንባር ፖሊሳርዮን

ኣብቲ ቀዳማይ መዓልቲ ጉባአ፡ መኽፈቲ ስነስርዓትን ምይይጥ ብዛዕባ ንደንማርክ ማሕበራዊ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ኣብዚ እዋንዚ ዘጋጥሞ ዘሎ ብደሆታትን ብዝምልከት ጽዑቕ ርክባት ተኻይዱ። ኣብ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ርክብ ድማ እቲ ጉባአ ብዛዕባ  ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ኤውሮጳን ካልእ ኩርነዓት ዓለምን ብዝምልከት ተመያይጡ። እዚ ጉባአኡ ዘካየደ ሰልፊ ምስቲ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት ማሕበራዊ ኩነታት ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት የጋጥም ምስ ዘሎ ብደሆታት ይሰማማዕ እዩ።

ልኡኽ ሰዲህኤ ምስ ኣቶ ፓውል ኒየልሶን ደንማርካዊ ናይ ቅድም ሚኒስተርን ኣብዚ እዋን’ዚ ኮሚሽነር ሕብረት ኤውሮጳን ተራኺቡ ብዛዕባ መግለጺ ሰዲህኤ ተዘራሪቡ። ኣባላት ልኡኽ ሰዲህኤ ኣቶ ተኽለ መለኪንን ኣቶ ኣማኑኤል በራኽን ምስ ልኡኽ ግንባር ፖሊሳርዮ  ምዕራዊ ሳህራ’ውን ሓጺር እሂንምሂን ኣካይዶም።

ብ17 መስከረም 2017 ኣብ 2ይ መዓልቲ ጉባአ፡ ደንማርክ ማሕበራዊ ደሞክራስያዊ ሰልፊ፡ ልኡኽ ሰዲህኤ ብዛዕባ መግለጺ ሰልፉ ምስ ተሳተፍቲ ጉባአ ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጡን ምስ ብዙሓት ኣባላት ገስጋሲ ምሕዝነት ዝኾኑ ልኡኻት ርክባት ኣካይዱን።

Last modified on Monday, 18 September 2017 09:06