ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2017 ተጀሚሩ

2017-08-05 05:27:36 Written by  ዚና ሽማግለ ፈስቲቫል 2017 Published in EPDP News Read 3820 times

ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጀርመንን ጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ኤውሮጳን ዝተዳለወ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2017 ብዕለት 04. ነሓሰ መደባቱ ጀሚሩ ውዒሉ።  ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ናይዚ ዝተጠቕሰ ማዓልቲ ንኣደራሽ ዝምልከት ዘድሊ ምድላዋት ኣብ ምስልሳል ኣንከሎ ብርክት ዝበሉ ብተመኩሮ ዝበሰሉ  ኣባላት ሰልፍን መሪሕነቱን ኤርትራውያን ግዱሳት ደቂ ሃገርን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ  ኣብ ቦታ ፈስቲቫል ክበጽሑ ጀመሩ።

ብዘይካዚ፡ ኣቲ ንነዊ ዓመታት ብዛይምቁራጽ ብናይ ቃልሲ ወኒ ኣብ ፈስቲቫላት ጀርመን ካብ ምስታፍ  ተሪፉ ዝይፈልጥ ብጻይ ጸሃየ ኣርኣያ መሓሪ እውን ካብ ችካጎ ኣመሪካስ ደበኽ ዳኣ በለ። ምስዚ ኣነ፡ መሓዙትን መጋድልትን ናይቲ ግርማ ፈስቲቫልን ተቓላሳይን ዝነበረ ስዉእ ወላድየይ ክረክብን ወግዖም ክካፈልን እደሊ ኣለኹ ዝበለ መንእሰይ፤ ወዱ ንስዉእ ኣስጎዶም ወዲ ባሻይ እውን ካብ ዓዲ ጣልያን ካብ ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ኮይኑ ኣሎ።

ድሕሪ ናይቲ ዕለት ምቕባል ኣጋይሽ ምስልሳል፡ ኣቦ መንበር ኣሳናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫል ሓው ተስፋማርያኣም ክብራኣብ ሓጺር ናይ ምስጋናን ሌላን ቃል ንተሳተፍቲ ፈስቲቫል ድሕሪ ምቕራብ መደባት ፈስቲቫል ብስሩዕ ንምጅማር መድረኽ ንመምህር ድራር መንታይን ጎይትኦም መብራህቱን ኣረከበ።

IGoitom and Dirar Festival 2017

ዝተጠቕሱ ብጾት ነቲ ንነዊሕ ግዝያት ክዳለውሉ ዝጸንሑ ሕብስቲ ዲሞክራሲ ዘርእስቱ ኣስተምህሮ፡ ንተደላይነት ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ሓጺር መኣተዊ ድሕሪ ምቅራብ፡ ኣርባዕተ ጉጅለታት በብሓሙሽተ ወለንታያን ሰባት ሰሪዕም ግን ከኣ ንኩሉም ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ብዘዋስእ ኣገባብ ተግባር ዝተሓወሶ ኣስተምህሮ ኣቕሪቦም። ዝቀረበ ኣስተምህሮ ኣብ ኣብነታዊ ዛንታ ዝተሰረተን ዝተጻሕፉ ይኹኑ ዘይተጻሕፉ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ዝግበሩ ውዑላት፡ ንምፍራሶም ዝድርኽ ኩነታት ኣብዝፍጠረሉ ግዜ ንምፍትሑ ክውሰዱ ዘለዎም ሓሳባትን ምብላሓትን  ኣብ ምቅራብ ዝሕግዝ ዛንታ እውን ነይርዎ። ኣብዚ ተሳተፍትን ኣቶም ብጉጅለታት መልክዕ ዘቆምዎም ሰባትን ናይ ሓባር ይኹን ዝተፈልየ ርእይቶታት ኣብ ምቕራብ ይሕግዝ ብምንባሩ መደብ ኣስተምህሮ መሳጢ ነይሩ።

ጸኒሑ ሓንቲ ሓዳስ ሃገር ኣብ ምህናጽን  ክስርዑ ዘለዎም ኣዕኑድ ዲሞክራስን ትካላቱን፡ መሰልን ግቡእን ዜጋታት ኣብ ምርግጋጽ ክስሩዑ ዘለዎም ነገራት ዘብርህ ሓንቲ ተምሳል ሕብስቲ ብዝተፈላለየ ግናዓት ብምልጋብ ንምስራዕ ዘመልክት ተግባር ዘሰነዮ ኣገዳሲ ኣስተምህሮ ኣቅሪቦምን ጽሑፋት ዘርጊሖምን ቀዳማይ መደብ ተሰላሲሉ። ንሕናውን ንሎሚ ኣብዚ ዓጺና ኣለና፡ ዝስዕብ መደባትና  ከነካታትለኩም ኢና። 

Last modified on Saturday, 05 August 2017 07:36