ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዝጸውዖ ሰሚናር ተኻይዱ

2017-07-22 18:57:02 Written by  ቤትጽሕፈትዜናሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3569 times

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ “ብሓድነትና ንሓድነት ህዝብናን ሃገርናን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ ብ22 ሓምለ 2017 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሰናድኦ ናይ ሓደ መዓልቲ ሰሚናር ተኻይዱ። ኣብዚ ሰሚናር መሰረታትን መሪሕነትን ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ፡  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ወሲኽካ፡ ወከልቲ  ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ፡ ስደተኛታትን ግዱሳት ኤርትራውያንን ተሳቲፎም። ኣብዚ ሰሚናር ብሓለፍቲ እቲ ሰልፍን ዕዱማትን  ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ጽሑፋት ቀሪቦም ሰፊሕ ዘተ ድማ ተኻይድዎም።

ግደ ቃልሲ ኤርትራውያን ኣብ 40ታት ምስ ስዉእ ከቢረ፡ ንሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዘላሊ መግለጺ፡ ኣብ ዞባና ዝርአ ዘሎ ምዕባለታትን ኣብ ኤርትራ ዘሕድሮ ጽልዋን፡ ብዛዕባ ዝብሉ  ዛዕባታት ብላዕለዎት ሓለፍቲ ሰልፊ ናህዳ ቀሪቦም። ከምኡ እውን “ኣተሃላልዋ ደንበ ተቓውሞን ብደሆታትን መጻኢ ዕድላትን” ዝብል ሰፊሕ ጽሑፍ ብሓው ዮሃንስ ኣስመላሽ ኣቦመንር ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራሲያዊ  ለውጢ ቀሪቡ።

News Item 22.07.2017 Nahda 2

ኣብቲ ዝቐረበ ጽሑፋት ናይ 40ታት ቃልስ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ሎሚ ብደሆታትን ዘለዎ ተመሳሳልነትን ፍልልይን ብሰፊሑ ተንጸባሪቑ። ካብዚ ሓሊፉ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ውድባት ኤርትራ ብዘይካ ሓቢርካ ምስራሕ ካልእ መዋጸኦ ከምዘየብለን ኣብቲ ነቲ ሰልፊ ዘላሊ ጽሑፍ ቀሪቡ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዝረአ ዘሎ ናይ ሓልታት ምትእኽኻብ ዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍን  ኣብ ኤርትራ ሓደጋ ከየውርድ ከም ዘስግእ ነቲ መድረኽ ዝመርሐ ሓው ዓብደራሕማን ጠሃኑር ኣቦመንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣጠንቂቑ።

ሓው ዮሃንስ ኣስመላሽ ኣብቲ ዘቕረቦ ሰፊሕ ጽሑፍ፡ ህልዊ ኩነታት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ዘርዚሩ፡ ናብዚ ኣትይዎ ዘለዎ ደውታ ዘውደቕዎ ምኽንያታት’ውን ኣብሪሁ። ካብዚ ደውታዚ ንምውጻእ ክውሰዱ ዝግበኦም መዋጸኦ ስጉምትታት ክገልጽ እንከሎ ከኣ፡ ንፍቶ ንጽላእ ድኹማት ከምዘለና ኣሚንና፡ ካብዚ ድኻም’ዚ ንምውጻእ ብሓባር ምሰራሕ  ግደታ እምበር ምርጫ ከምዘይኮነ ኣዕዚዙ ገሊጹ። ብሓባር ንምስራሕ ከሰማምዑና ይኽእሉ ኢሉ ዝጠቐሶም ነጥብታት ከኣ፡ “1፡ ንስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ምእላይ፡ 2፡ ብሓጺር ግዝያዊ መንግስቲ ኣቢልካ ኩሉ ዝሳተፈሉ መሰጋገሪ መንግስቲ ምምስራት፡ 3፡ ሃገራዊ ቻርተር ኣጽዲቕካ ድማ ኣብ ውሳንነት ናይ ህዝብን ልዕልና ሕግን እሙን ኮንካ ብህዝባዊ ምርጫ ህዝባዊ መንግስቲ ምምስራት”  ዝብሉ ነጥብታት ኣስፊሩ።  ሓው ዮሃንስ ኣስመላሽ እቲ ናብዚ ዘብጽሕ ዕግበት ብሓንሳብ ኣብ ኩሉ ዘይክሓድር ስለ ዝኽእል፡ ካልእ እንተተረፈ እቶም ዝዓገቡ ክጅምሩ ከም ዘድሊ ገሊጹ። ተሳተፍቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፋል ሰሚናር ሕቶታት ብምቕራብ ተወሳኺመብርሂ ብምሃብን መሕየሊ ርኢቶታት ብምውሳኽን ምዉቕ ተሳትፎ ነይርዎም።

Last modified on Saturday, 22 July 2017 21:07