ሰዲህኤ መንግስቲ ነዘርላንድ ነቲ ኣብ ሃገሩ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ፈስቲቫል ህግደፍ ንክእግዶ ተማሕጺኑ

2017-07-09 05:00:34 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 4511 times

ብ5 ሓምለ 2017 ኣብ ከተማ ሮም ሃገረ ኢጣልያ ድሕሪ ምክያድ ፈስቲቫል ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ዲፕሎማሲ  ስርዓት ህግደፍ ሓደጋ ከም ዝወረደ ይማዕ ኣብ ዝሃለወሉ፡ ኤርትራዊ ደም (ኤሪ-ብላድ) ዝበሃል ኣካል ክንፊ መንእሰይ ህግደፍ ሓዊስካ ናይቲ ስርዓት መሳርሒ ዝኾኑ ኣካላት ዘዳልውዎ  ኣብ 14- 16 ሓምለ 2017 ኣብ ነዘርላንድ  ናዕበኛ ፈስቲቫል ክካየድ መደብ ኣሎ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ7 ሓምለ 2017 ናብ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ነዘርላንድ በርት ኮየንደርስ  ህጹጽ መልእኽቲ ሰዲዱ። ኣብዚ መልእኽቱ መንግስቲ ነዘርላንድ ነቲ ተመዲቡ ዘሎ ፈስቲቫል ክእግዶን፡ ከም ኣማኻሪ ፕረሲደንት ኤርትራ ንዝኣመሰሉ ናይቲ ጌና ቀጻሊ ዘሎ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ሃንደስቲ ምዃኖም ዝኽሰሱ ኣካላት መእተዊ ቪዛ ክኸልኦምን ሓቲቱ። ብመሰረት ናይ ኢጣልያ ናይ ዜና ማዕከን፡ ብተግባር ህግደፍ ዝተቖጥዑ ኤርትራውያን ንኣንበሳድር ኤርትራን የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ምዃኑ ዝግመት ካልኣዩን ብ5 ሓምለ 2017 ወቒዐምዎም። እዞም ሓለፍቲ ህግደፍ በቶም ብተግባራት ህግደፍ ዝሓረቑ ዝተወቕዑ ኣብቲ ኣብ ኢጣልያ ዝተኻየደ ናይ ህግደፍ ፈስቲቫል ድሕሪ ምስታፎም እዮም። በቲ ሓበሬታ መሰረት ክልቲኦም ዝተወቕዑ ሓለፍቲ ህግደፍ ተሃስዮም ኣብ ሆስፒታል ከም ዝኣተዉን ነዚ ዝምልከት ሓባሬታ ቀጻሊ ምህላዉን ተፈሊጡ።

እቲ ናይ ሰደህኤ መዘክር ነቲ ኣብ ዝሓለፈ 14 ማዝያ 2017 ብከንቲባ ከተማ ቨልድሆቨን ኔዘርላንድ ምእንቲ ጸጥታን ርግኣትን ከተማኡ ዝተወስደ ናይ ህግደፍ ፈስቲቫል ከይካአድ ናይ ምእጋድ ተግባር ጠቒሱ፡ መንግስቲ ኔዝርላንድ  እዚ ተመዲቡ ዘሎ መነዓዓቢ ፈስቲቫል ንከይካየድ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ንክወስድ ጸዊዑ።

ናይዚ ወጻዒ ስርዓት ፈስቲቫላት፡ ክንፊ መንእሰይ ህግደፍ ዝበሃል ኣንጻር ኤርትራውያን ደገፍቲ ደሞክራስን ኣዕርኽቶምን  ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣንጻር ከም ሸይላ ኪታሩዝ ላዕለወቲ ሓላፊት ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝኣመሰሉ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሰብ መዚ እውን ዝስለፍ እዩ። ኣካል ክንፊ መንእሰይ ህግደፍ ዝኾነ ኤርትራዊ ደም ዝበሃል ጉጅለ በጋሚዶ ከኣ ኩሉ ግዜ ፈስቲቫል ናይቲ ስርዓት ክዳሎ እንከሎ ነቲ ፈስቲቫል ዝቃወሙ ወገናት ብምፍርራሕን ምርዓድን ንረብሓቲ ወጻዒ ጉጅለ ዝሰርሕ እዩ።

መዘክር ሰዲህኤ ንኣገዳስነት ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ብመንግስቲ ኔዘርላንድ ኣንጻር መዳኸርቲ ህግደፍ  ዝተወስደ ስጉምቲ ከም ኣገዳሲ ኣብነት ጠቒስዎ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ስጉምቲ ብሃገራት ኤውሮጳ ክሰዓብ ዝግበኦ ጽቡቕ ኣብነትን ንወጻዕቲ ዘሰንብድን ምንዃኑ ኣመልኪቱ። ብዘይካዚ እቲ ስጉምቲ ነቲ ፓርላማ ኔዘርለንድ ኣብ ጉዳይ መንግስቲ ኤርትራ ክሕዞ ዝጸንሐ ኣውንታዊ መርገጻትን ኣብያተ ፍርዲ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ልኡኻት ኢምባሲ ኤርትራ ኣብታ ሃገር ክህበኦ ንዝጸንሓ ብይናትን ዘተባብዕ ምዃኑ ኣብቲ መዘክር ተመልኪቱ። ብመንጽር እዚ መንግስቲ ኔዘርላንድ ኣንጻርቲ ካብ 14 ክሳብ 16 ሓምለ 2017 ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ፈስቲቫል ግቡእ ስጉምቲ ክወስድ ትስፉው ምዃኑ’ውን ኣስፊሩ።

Last modified on Sunday, 09 July 2017 07:09