ሰደህአ ጨንፍር ኖርወይ ዕዉት ሰሚናር ኣሰላሲሉ!

2017-05-03 21:00:09 Written by  ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ጨንፈር ኖርወይ Published in EPDP News Read 2356 times

ብዕለት 30 ሚያዝያ 2017 ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ ሊዕሊ 6 ሰዓታት ዘህለኸ ዕዉት ሰሚናር ኣካይዱ። እዚ ሰሚናርዚ ምቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዕለታት 24-26 መጋቢት ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ጀርመን ዝተኻየደ ኮንረንስ መላእ ዞባ ኤውሮጳ ኮይኑ፣ ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባታት ሰፊሕ ምይይጥ ከምዝገብሩ ካብቲ ቦታ ዝመጸና ጸብጻባት ኣረጋጊጹ።

ሰሚናር ኣባል ጨንፈር ኖርወይን፣ ላዕላዋይ ሓላፊ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ዝኾነን ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝጊ ዝተመርሐ ኮይኑ፣ ኣቦ መንበር ጨንፈር ብጻይ ማሕደር ዕቁባዝጊ ንተጋባእቲ ሰሚናር ብናይ ዕንቛዕ ብደሓን መጻእኩም ቃልን፣ ነቶም ነዊሕ መንገዲ ተጓዒዞምን ብዙሕ ወጻኢታት ገሮምን ገንዘቦምን ግዝዪኦምን ወፍዮም ተሳተፍቲ ናይቲ ሰሚናር ዝኾኑ ኣባላት ፍሉይ ሞጎሱ ብምቅዳም፣ መኽትፈቲ ቃል ብምስማዕ ነቲ ሰሚናር ከፊቱ መድረኽ ንብጻይ መድሃኔ ኣረኪቡ።

ኣቦ መንበር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰደህኤ ዝኾነ ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝጊ፣ ድሕሪ ናይ እንቛዕ ብደሓን መጻእኩም ሰላምታ ንተሳተፍቲ ሰሚናር፣ ንተደላይነት ናይቲ ሰሚናር ምስ መደብ ምሕዳስ ሰልፊ ኣዛሚዱ እኹል መብሪሂ ድሕሪ ምሃብ፣ ኣስዒቡ ኣብቲ ቐንዲ ኣጀንዳታት ናይቲ ሰሚናር ኣምሪሑ።

ከም ዝዝከር ኮንፈረንስ መላእ ዞባ ኤውሮጳ ኣብ

1.   ደሞክራስን፣ ግዝኣተ ሕግን፣ ትካላዊ ኣሰራርሓን ኣብ ሰልፊ

2.   ዝምድናታት ሰልፊ ምስ ኤርትራውያንን ዘይኤርትራውያንን ፖለቲካውን በርገሳውን ሓይልታት

3.   ኣብ ተሓድሶ ሰልፊ እንታይ ክግበር ይከኣል? መዓስከ?

ኣብ ዝብል ዛዕባታት ተጸሚዱ ናይ ሰለስተ መዓልታት ጽዑቕ ዓውደ መጸናዕቲ ኣካይዱ ነይሩ። መቐጸልታኡ ዝኾነ ሰሚናር ጨንፈር ኖርወይውን ካብዚ ዛዕባታትዚ ከይወጸ፣ ኣብ ህይወት ሰልፍን ጨንፈርን ኣተኲሩ ዓሚቊ ክትዓት ኣካይዱ። ተሳተፍቲ ሰሚናር ኣብቲ ብብጻይ መድሃኔ ዝቀረበ ወረቃቅትን ዝተዋህበ መደረን ንዘይ በርሀን ዝያዳ መብሪሂ ንዘድልዮን ነገራት ከም ሕቶ ኣልዒሎም ኣዕጋቢ መልሲ ድሕሪ ምርካብ፣ ኣብ ናይ ለበዋ መድረኽ ተሰጋገሩ። ኣብ ለብዋኦም እውን ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ብሓፈሻ ብምፍልላይን ምፍንጫልን ዝልለ ኮይኑ፣ ሰደህኤ እውን ኣብ ናይ ዝሓለፉ ዓመታት ተሞክሮኡ ካብዚ ጽልዋዚ ከምዘይደሓነ ብምዝኽኻር፣ ኣብ ሰልፍና ዳግማይ ምፍንጫል ንኸየጋጥም ነፍሲ ወከፍ ባእታ ኮነ መሪሕነት ሰልፊ ንህልው ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ቅድሚት ሰሪዑ ክቃለስ እንክምሕጸኑ፣ ጥሕሰት ዝተሰማመዕካሉ ሕግታት ተጻዊርካ ብምኻድ ዝመጽሕ ሓድነት ከምዘየሎ ግን ተሳተፍቲ ሰሚናር ብትሪ ኣስሚሮምሉ።

ኣብ መወዳእታውን፣ ተሳተፍቲ ሰሚናር ኣብ ክንደይ ናይ ጉዕዞን ድርብ ናይቲ ምዱብ ወርሓዊ ውጺኢቶምን ፣ ንምሕያል ሰልፍናን፣ ንምዕዋት ፖለቲካዊ መደባትናን፣ ንምትብባዕ መሪሕነትናን ብምባል ናይ ኣስታት 1000፣ ሓደ ሽሕ፣ አውሮ ወፈያ ኣበርኪቶም።

ዓዲ እንግሊዝ ዝምቕማጡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ነበር ክቡር ብጻይ ሓምድ ድራር እውን ብናይ ኣጋጣሚ መገሻ ኣብቲ ሰሚናር ተረኺቡ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህሞት ተወሳኺ መብሪሂ ብምሃብ፣ ነቲ ክትዓት ሰሚናር ኣብ ምጥርናፍን ምውህሃድን ዓቢ ግደ ከምዝተጻወተን፣ ኣብ ሰልፍና ንምሕያል ዝሕግዝ ናይ ሪኢቶ ፍልልያት እምበር ናብ ምፍንጫል ዘምርሕ ፍልልያት የለን፣ ስለዚ ዳግማይ ፍልልያት ንኸይህሉ ካብ ዝብል ስኽፍታ ተገላገሉ ብምባል ቃለ ጽንዓትን ተወፋይነትን ብምስማዕውን ንኣባላት ጨንፈር ሞራላዊ ሓይሊ ከምዘሰንቀዎምን ከምዘተባበዖምን ጸብጻባት ናይቲ ሰሚናር የረጋግጽ።

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልስና!!!

ክፍሊ ዜናን ሓበረታን ሰደህኤ ጨንፈር ኖርወይ  

Last modified on Wednesday, 03 May 2017 23:04