ኣብ ኤርትራ 60 ናቕፋ ንፊስቶ ማይ

2017-04-19 19:30:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2621 times

እቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢ እታ ሃገር „ሕቶ ዝስተ ማይ ፈቲሐ ኣለኹ“ ዝብሎ ዝነበረ ጃህራ ሓሶት ምዃኑን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ናይ ማይ ሕጽረት ወዲቑ ከም ዘሎን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለዉ ምንጭታትን ንመገሻ ኣብ ኤርትራ ጸኒሖም ናብ ዝነብርሉ ሃገር ዝተመልሱ ወገናትን ሓቢሮም።

ህዝቢ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ምናልባት ማይ ዘዝውራ መካይን እንተረኸበ ክጽበ መስርዕ ሒዙ ከም ዝሓድር፡ መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ ብሰንኪ ስእነት ነዳዲ እተን ማይ ዘዙራ መካይን፡ ከም ዘይረክባ ምናልባት እንተረኸባ ከኣ ዋጋ ሓደ በርሚል ማይ ክሳብ 60 ናቕፋ ከም ዝበጸሐን ነዚ ናይ ምኽፋል ዓቕሚ ዘየብሎም ወገናት ብጽምእን ርስሓትን ይሳቐዩ ከም ዘለዉ እዞም ምንጭታት ኣተሓሒዞም ሓቢሮም።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ብዙሕ ወጻኢ በሊዑ ዝተሃንጸ ዲጋ ገርሰት ጠቕሚ ክህብ ከም ዘይከኣለን፡ ኣብዚ ከባቢ ሞስነኣዊ ዕዮ ከካይዱ ዝተመደቡ መንእሰያት ናይ ሕርሻ ምሁራት መኺኖም ከም ዝተረፉ እዞም ምንጭታት ኣቃሊዖም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ 2015 ዋጋ ሓደ ድልዱል ብዕራይ ክሳብ 17 ሺሕ ናቕፋ በጺሑ ዝነብረ ኮይኑ፡ ኣብ 2017 ግና እዚ ዋጋ ናብ 7 ሺሕ ናቕፋ ከም ዝወረደን፡ ናይዚ ምኽንያት ቁጠባዊ ዕቤት ዘይኮነስ፡ ኣብታ ሃገር ዝርጋሐ ናቕፋ ብምጥፍኡ ዝጋጠመ ቅልውላው ዝፈጠሮ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

Last modified on Wednesday, 19 April 2017 21:38