ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ መበል 39 ጉባኤማሕበረ- ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ሽወደን ብንጡፍ ኣገባብ ተኻፊሉ

2017-04-18 20:28:07 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2842 times

መበል 39 ጉብኤ ማሕበረ-ዲምክራስያዊ ሰልፊ ሽወደንዂለን ዓበይቲ ናይቲ ሃገርመራኸቢ ብዙሓን "ሓድነቱ ዝቀበ ሰልፊ"  ተባሂሉ  እናተገልጸ ኣብ ውሽጢ 8-12 ሚያዝያ 2017 ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ብዓወት ተዛዚሙ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝዝቢ ኤርትራ ብተዓዛብነት ብምክፋል፡ ኣገዳሲ ርክባት ከካይድ ዕድል ረኺቡ። መዘክር ኣቦ መንበር ሰልፊ እውን ብስፍሓት ዘርጊሑ።

 

ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ወኪሉ ኣብ ጉባኤ ገዛኢ ሰልፊ ሽወደን እተኻፈለ፡ ምክትል ሓላፊ ሽማገለ ቤ/ጽ ወጻኢ ጉዳይ ሰዲህኤኣብ ሽወደን ዝኾነ ሓው ጸሃየ ቀለታ ነይሩ። እቲ ናብ ብዙሓት ተሳተፍቲ ጉብኤ ክበጽሕ ዝኸኣለ መዘክር ሰዲህኤ፡ ንዘሎ ሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ምግላጽ፡ ማሕበረ-ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ሽወደን ኣብ መበል 37 ጉባኤኡ ብጒዳይ ተቓውሞ ኤርትራ ንዘሕለፎ ውሳኔታት ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ደጊሙን ኣትሪሩን ጸዊዑ። እቲ ውሳኔታት ንናይ ለውጢ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ንምሕጋዝን ነቲ ዘይሕጋዊ ቀረጽ ህግደፍ (2%) ንምውጋድን ዝዓለመ ነይሩ። 

 

መበል 39 ጉባኤማሕበረ-ዲምክራስያዊ ሰልፊ ሽወደንኣብ ከተማ ዮተቦርግ

ኣብ ውሽጢ'ቲ ን5 መዓልታት ዝቐጸለ ጉባኤ፡ ልኡኽ ሰዲህኤ ምስ (1) ወጻኢ ጒዳይ ምኒስትር ሽወደን፡ ወይዘሮ ማርጎት ዋልስትሮም፣ (2) ክሳዕ መወዳእታ 2016 ምክትል ዋና ጽሓፊ ሕቡራት መንግስታ ዝነበረ ያን ኤልያሶን፣ (3) ኣቐዲማ ዝጸንሐት ኣደ መንበር ሰልፊ ሽወደን፣ (4) ምስ ሓዳስ ሰክረተር ሰልፊ፣ (5) ምስ ምኒስትራት ውሽጣዊ ጒዳትን፡ (6) ስደተኛታትን፡(7) ምክልኻል ሃገርን፡ (8) ኣቦ መንበር ማሕበር ሰራሕተኛታትን፡ (9) ከንቲባ ከተማ ዮተቦርግን ብምርኻብ ኣገዳሲ ሓበሬታታት ብምሃብ  ኣብ ልዕሊ ጒዳይ ኤርትራ ዘሎዎም ጠመተ ከዕዝዙ ጸዊዑ። ንመዘክር ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ብምሃቦም እውን ትጽቢት ተቓውሞ ኤርትራ ካብ ሽወደናዊ ሰልፊ ክብ ዝበለ ምዃኑ ከስምረሉ ክኢሉ።

2ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ መበል 39 ጉባኤ ሶሻል ደሞክራት ሽወደን ተኻፊሉ 2

ልኡኽ ሰዲህኤ ምስ ናይ ሕ.መ. ያን ኤልያሶንን ወጻኢ ጒዳይ ምኒስትር ዋልስትሮምን ኣብ እተራኸበሉ ደቓይቕ።

 ጉባኤታት ማሕበራዊ ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ሽወደን ኣብ ነፍሲ ወከፍ 4 ዓመት ዝካየድ ኮይኑ፡ ሎሚ ዘበን ኣብ ድሮ ምጅማር ጉባኤ ኣሰንባዲ ግብረ ሸበራዊ  መጥቃዕቲ ኣብ ስቶኮልም ርእሲ ከተማ ሃገር ሽወደን ብምፍጻሙ ኣብ ጉብኤ  ፍሉይ ስምዒታትን ስጥመትን ኣኸቲሉ።  ብኡ መሰረት ከኣ መሪሕ ጭርሖ ጉባኤ “ዉሕስነት ኣብ ሓድሽ መዋእል” ዝብል ኮይኑ ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ሽወደን ምውሓስ ልዕሊ 10,000 ፖሊስ ክሳብ 2024 ዓ.ም. ክምልመሉ ጉባኤ ብሙሉእ ድምጺ ዉሳኔ ኣሕሊፉ። ብምቅጻል “ናይ ሃገር ሽወደን ኣገባብ (ቅዲ)” ዝብል ኣምር ተኽቲሎም 350 ኣባላት ጉባኤ  ሓዳስ ዋና ጸሓፊት ክትከውን ለና ሮድስትሩም ባኣስታድ (Lena Rådström Baastad) መሪጾምንጀኦግራፊካዊ  ኣቀማምጣ  ዝርጋሔ ኣባላቱ ተመርኲሱ ከኣ ሓደስቲ ኣባላት ናብ ኣካያዲት ሽማገለ ሰልፊ ወሲኹ ብምሉእ ድምጺ መሪጹ። ምስኡ እውን እዞም ዝኽተሉ ገለ ካብ ኣገደስቲ ኣካታዕቲ ዝነበሩ እዋናውያን ሕቶታት ተላዒሎም ውሳኔ ተወሲዱሎም፡- 

  1. ንጹር ስርዓተ ሕጊ ንመኽሰብ  ምንዳይ  ኣብ ትምህርቲ፡ ኣብ ሕክምና፡ ኣብ ክንክን ኣረጋውያን ደው ክብል ።
  2.  ኣብ ቤት ትምህርትታት ሃይማኖታዊ እምነት ምምሃር ደው ክብል።
  3. ኣገባብ ንትምህርቲ ዝውሃብ ደገፍ ገንዘብ ብደቂቅን ጥንቃቀን ክርኤ።
  4.  መንበሪ ገዛ ባዕልኻ (ብዉልቀ) ምርካብ ዝብል ብዘገምታዊ መገዲ ደው ክብል።
  5. ሰልፊ ኣንጻር ምኽልካል ናይ ጎደና ለመንቲ  ምዃኑ።
  6. እምቢ(ኣይፋል) ንኣባል ወተሃደራዊ ምሕዝነት ሓድነት ሃገራት ኤውሮጳ።
  7. እምቢ (ኣይፋል) ቀረጽ ንሽኮር
  8. ስሩዕ መደብ ንዉልቀ ዉሕስነት ሂወት እርጋን ምትእትታው ቀዳምነት ክወሃብን።
  9. ናይ ሃገር ሽወደን ሕጊ ኣቃባብላ ስደተኛታትን ቀረብን፡ ካብ ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ክፍለ ከም ዘይብሉ ።
  10. ሰልፊ  ንምሃብ ቀዋሚ መንበሪ ምዕቃብ  መትከሉ ኮይኑ፡ ንምጥርናፍ ስድራቤት ተኽእሎ ክህሉ ነዚ ከኣ ምስ ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ብምስምማዕ ክኸውን።
  11. ንትሕቲ ዕድመ ሓተቲ ዕቅባን  ኣተሓሕዞኦምን ካብ ሃገር ሽወደን ናብ ትውልዲ ሃገሮም ምምላስን ክጽናዕን፡ ነጻ ምዉጻእ ዳዊት ኢሳቅን.....ዝብሉ ዉሳኔታት  እዮም።
Last modified on Thursday, 27 April 2017 19:36