ዋዕላ ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ ንተበግሶ ጸዊዑ
2017-03-30 07:32:44 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 4134 timesብ24-26 መጋቢት 2017 ኣብ ፍራንክፈርት ዝተኻየደ ዋዕላ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ኢውሮጳ፡ መሪሕነት ሰልፊ ሓቀኛ ጽላል ናይቶም ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራዊ ሓይልታት ኣብ ምፍጣር ተበግሶ ንክወስድ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ መሪሕነት ሰልፊ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ምክብባር፡ ናይ ሓባር ተጠቃምነትን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢድ ዘይምትእትታውን ዘትከለ ዝምድና ንክፈጥር ጸዊዑ። ኣብ ርእሲ እዚ ኣቲ ዋዕላ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን እንደጋና ኣብ ውግእ ንዘይምእታው ሓላፍነት ንክወስዱ ምዒዱ።
እዚ ብፈጻሚ ሽማግለ ዝተወደበ ዋዕላ ዞባ ኤውሮጳ ኣብ ሰለስተ መጽናዕታዊ ጽሑፋት እዩ ተመያይጡ። እቲ መመያየጢ ጽሑፋት፡ 1) ደሞክራሲ፡ ሕጋዊ ምሕደራን ትካላዊ ኣሰራርሓን ኣብ ሰደህኤ፡ 2) መትከላትን ፖሊሲታትን ሰልፊ ኣብ ዝምድና ምስ ኤርትራዊ ደምበ ተቓውሞን ጐረባብቲ ሃገራትን፡ 3) ሰልፊ ንምሕዳስ እንታይ ንደሊ ኣንታይከ ክንገብር ንኽእል ዝብሉ እዮም። ነዚ ኣቐዲሙ ናብ ተሳተፍቲ ተዘርጊሑ ዝጸንሐ ጽሑፋት ኣብቲ ዞባዊ ዋዕላ ብኣካል ተረኺቦም ዘቕረቡን ዝርዝር መግለጽን መብርህን ዝሃቡን ኣባላት መሪሕነት ሰደህኤ፡ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦመንበር ሰልፊ፡ ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት፡ ኣቶ ረዘነ ተስፋጼን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳያትን ኣቶ መድሃኔ ህብትዝጊ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያትን እዮም። እቲ ጽሑፋት ብዝርዝር ቀሪቡ ኣብ ዝተዘተየሉ ብተሳተፍቲ እውን ሃብቲሙ። እዚ ዝሃብተመ ጽሑፋት ናብ ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ክዝርጋሕ ትጽቢት ኣሎ።ተሳተፍቲ ዋዕላ ኣብ ልዕሊ መሪሕነቶም ዘለዎ እምነት ምሉእ ብምሉእ ኣረጋጊጾም፡ ኩሉ ኣባል ሰልፊ ናይዚ ካብ ሃገሩ ወጻኢ ኮይኑ ዝቃለስ ዘሎ ሰልፊ ደሞክራሲያዊ መትከላት ከኽብርን ብሕግታቱ ክቕየድን’ሞ እቲ እንቃለሰሉ ዘለና ለውጢ ኣብ ሓጺር ግዜ ክረጋገጽ ጸዊዖም።
ኣብዚ ምሕዳስ ሰልፊ ካብ ሕጂ ክሳብ’ቲ ኣብ 2019 ዝግበር 3ይ ጉባአን ድሕሪኡን ብዝምልከት ዝተኻየደ ምይይጥ ህጹጽ ኣገዳስነት ተሳትፎ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ብልዑል ተገዳስነት ተዘትይሉ።ጐኒንጐኒ’ዚ ተሳተፍቲ ዋዕላ ተወፋይነት ኣባላት ኣብ ጉዳይ ሰልፎም እውን ኣሕዲሰምዎ። በዚ መሰረት ምዑታት ተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ብዝወሰድዎ ተበግሶ ሽዑንሹ ልዕሊ 5.000-ኤውሮ (ሓሙሽተ ሺሕ ኤውሮ) ንሰልፎም ለጊሶም። ብዘይካ’ዚ ነዚ ወፈያ በቶም ዝወከልዎም ጨንፈራት ኣቢሎም ብዕጽፍታት ከዛይድዎ ቃል ኣትዮም።
እዚ ዋዕላ ሰደህኤ ዞባ ኤውሮጳ ኣብቲ ሳልሳይ መዓልቱ 26 መጋብቲ 2017 ብፍሉይ ተራኺቡ ናብ መሪሕነት ናይ ተግባር ለበዋታት ኣቕሪቡ ናይ ሓባር መግለጺ ብምውጻእ ተዛዚሙ።