ምልክታ

2017-02-12 22:01:09 Written by  ኣሳናዳኢት ሽማገለ ፈስቲቫል Published in EPDP News Read 2908 times

ፈስቲቫል/ሰፊሕ በዓል ኤርትራ 2017 ፍራንክፎርት

ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጀርመንን ጨናፍር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳን ዝዳሎ ፈስቲቫል/ሰፊሕ በዓል ኤርትራ 2017 ምስንዳኣት ጀሚሩ። ሰፊሕ በዓል ኤርትራ 2017 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ሃገረ ጀርመን እዩ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ካብ ዕለት 04 - 06.2017 ዘሎ ግዜ ንኽካየድ፡ ድሮ ኣሳናዳኢት ሽማገለ በዓል ተመዚዛ ስራሓታ ጀሚራ ዘላ። እዚ ታሪኻዊ ሰፊሕ በዓልዚ፡ ጀርመናውያን ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራን በርጌሳውያን ማሕበራቱን ምስ ተሳታፊ በዓል ዝኾነ ህዝቢ ኣራኺቡ፡ ዓውደ ልዝብን ሕድሕዳዊ ናይ ሓሳባት ምርድዳኣን ምልውዋጥን ዝፈጥር መኣዲ እዩ።

ስለዚ ድማ፡ ኩሎም ኤርትራውያን ፍትሕን ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ኣብ ኤርትራ ንምርግጋጽ ዝጽዕቱ ኣካላት ኣብዚ ካብ ዕለት 04 ክሳብ 06 ነሓሰ 2017 ዝውዕል ሰፊሕ በዓል ኤርትራ ንኽሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም። ኣሳናዳኢት ሽማግለ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ ነዚ ዕድመ'ዚ ከቕርብ እንከሎ፡ ናይ ምድላው ሓላፍነት ከምዝወሰደ የመልክት ምህላዉ እንተዘይኰይኑ፡ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ንኩልና ውጹዓት ዜጋታት ብፍላይ፡ ንሰላምን ዕብየትን ዝሓልሙን ዝተግሁን መሓዙት ህዝብናን ዝምልከት እምበር፡ ዝኾነ ይኹን ሓለፋታት ስለዘለዎ ኣይኰነን። በዚ ኸኣ፡ ነቲ ጉዳይ ካብ ናተይ ናትካ ወጺና፡ ኣብ ቀንዲ ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ረጊጽና፡ ብዙሕነት ውዳቤታትናን ብዘየገድስ ንሓባራዊ ዓወት ሰፊሕ በዓል ብሓላፍነት ክንብገስ ብኽብሪ ነዘኻኽር።

 መደባት ሰፊሕ በዓል/ፈስቲቫል 2017ን ዝካየደሉ ቦታን ኣብዝስዕብ ክሕበር እዩ።

ብሓባር ንቃለስ፣ ምልኪ ክድምሰስ!!!

ኣሳናዳኢት ሽማገለ ፈስቲቫል ፍራክፎርት 2017

               12.02.2017

Last modified on Sunday, 12 February 2017 23:13