ኣብ ደገ ዝዓበዩ መንእሰያት ዝመርሕዎ ማሕበር ምትሕግጋዝ ስዊስ-ኤርትራ ዕዉት ጉባኤኡ ኣብ ከተማ ጅኔቭ ኣካይዱ

2016-11-21 15:39:36 Written by  ተሓጋጋዚ መሕበር Published in EPDP News Read 3577 times

እቲ ብለካቲት 2015 ኣብ ከተማ ጂኔቭ ዝቖመ ማሕበር ስዊስ-ኤርትራ ንምትሕግጋዝ፡ ብቀዳም 19 ሕዳር ብምክያድ፡ ነቲ ንሓደስቲ መንእሰይ ስደተኛታት ክሕግዝ ንዘበገሶ ዕላማ ብእተዓጻጸፈ ተወፋይነት ከዐውቶ ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ንተሳተፍቲ ጉባኤ ኣዝዩ ዘሐበነ ጒዳይ ከኣ፡ እቶም ዝያዳ ንጡፋት መራሕትን ኣገልገልትን ማሕበር ኣብ ወጻኢ ዝዓበዩን እተወልዱን ኤርትራውያንን ናይ ስዊስ ተሓባበርቶምን ምዃኖም ነይሩ።   

ቋንቋታት ትግርኛ-ዓረብ-ፈረንሳ ከም ቋንቋ ኣደ ዝመልኽ ኣቦ መንበር ማሕበር ዝኾነ ተድሮስ ኢያሱ፡ ነቲ ጉባኤ ብምውቕ ሰላምታ ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ናይ ሽማግለ ኣባላት በብሓደ እናቐረቡ ጸብጻብ ናይ ዝሓለፈ 20 ኣዋርሕ ከቕርቡ ዓዲሙ። ሶፍያ ዓማር ናይ እተዓመ ንጥፈታት ብዝርዝር ድሒር ምቕራባ፣ ዓወት ኣረጋይ ገንዘባዊ ጸብጻብ፡ ተድሮስ ተኽለማርያም ከኣ ፍሉይ ዕማማት ሽማግለ ገሊጾም። ስዊሳዊት ኦሊቪያ ሄለር ከኣ ናይ ዝመጽእ ዓመት መደባት ዝርዝር ኣቕሪባ። 

Microsoft Word ASEPEHoldsCongressinGVA 2 2(ካብ ተንቀሳቐስቲ ማሕበር፡ ካብ ጸጋም፡  ዓወት፡ ተድሮስ ተ/ማርያም፡ ሶፍያ፡ ሃናእ ዓማር፡ ሰንሒት ሺበርም፡ ተድሮ ኢያሱ፡ኦሊቪያ ሄለር።)

ኣብ ጸብጻም ከም ዝወረደ፡ እቲ ዝያዳ ዕዉት ስራሕ ናይ ማሕበር ነቶም ሓደስቲ መንእሰይ ቋንቋ ፈረንሳ ምምሃርን ሓፈሻዊ ሓበረታ ብዛዕባ ህይወት ኣብ ስዊዘርላንድ ምሕባርን ነይሩ። እቶም ትምህርቲ ዝህቡ/ዝህባ 12 ደቂ ኤርትራን ስዊስን (መብዝሕትኤን ደቂ ኣንስትዮ) ምንባሮም ተገሊጹ። ኣብ ምጅማር ትምህርቲ፡ ኣብ መንጎ መስከረምን ታሕሳስን 2015 ጥራይ 11 ኮርሳት ብምክያድ፡ 381 መንእሰይ ስደተኛታት ምሂሮም።  ካብ ጥሪ ክሳብ ሓምለ 2016 ከኣ ኣብ ሰሰሙን ን40 ዝኾኑ ተመሃሮ ኣብ ንኡስ ጒጅለታት መቒሎም ቋንቋ ክምህሩን ክሕብሩን ሓግዮም። እዚ ሕጂ ብመስከረም ዝጀመረ ዓመታዊ መደብ ከኣ ክሳዕ በብጊዜኡ ክሳዕ 50 ንዝኾኑ ተመሃሮ ሓበረታ ምሃብን ምምሃርን ክቕጽል ኢዩ።    

ሰበ ስልጣን ካንቶን ጅኔቭ (ክፍሊ ማሕበራዊ ስኒትን ውህደትን) ንመደባት ማሕበር ስዊስ-ኤርትራ ንምዕዋት ክተሓባበሩን ከተባብዑን ጀሚሮም ምህላዎም ተሓቢሩ። ማሕበር ክምስረት እንከሎ ብዙሓት ኣብ ከተማ ጅኔቭ ዝቕመጡ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ስራሓት ማሕበር ክተሓባበሩን ወርሓዊ 5 ፈረንካ ከዋጽኡን ቃል ኣትዮም ምንባሮም ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ 20 ኣዋርሕ ግን ካብ ህዝቢ እተረኽበ 500 ፈረንካ ስዊስ ጥራይ ምንባሩ ሽማግለ ገሊጻ። እቶም ንማሕበር ዝመርሑን  ዝምህሩን ወለኛታት/ፍቓደኛታት ግን ብሽሕ ዝግመት ገንዘብ ካብ ጅብኦም ከውጽኡ ምጽንሖም ተፈሊጡ።

ጉባኤ፡ ንስዊሳዊት ኦሊቪያ ሄለር ብውሳኽ ነቶም ዝጸንሑ ሓባላት ሽማግለ (ተድሮስ ኢያሱ፣ ሶፍያ፣ ዓወት፣ ተድሮስ ተኽለማርያም) ንዝመጽእ 12 ኣዋርሕ እውን ነቲ ማሕበር ክመርሑ ሓጽዩን ብሓባራዊ ድምጺ ኣጽዲቑን። ኣሕዋት ምራቸው በርሀን ጸጋይ ተስፋልደትን ከኣ ነቲ ዝጸንሐ ምስጉን ምትሕብባሮም ብዘይምቊራጽ ኣማኸርቲ ሽማግለ ኰይኖም ክቕጽሉ ብጣቕዒት ተቐቢሉዎ። ኣሕዋት ኣሕመድ ስሩርን ዓብደላ መሓመድ ዓሊን ኣውን (ኣብ ዘይህላዌኦም) ከም ተቘጻጸርቲ ማሕበር ኰይኖም ክቕጽሉ ርድኢ ሓዳስ ሽማግለን ጉባኤን ነይሩ።

ኤርትራዊ ባህልታት ንስዊስ ምግላጽን ናብ ሓዲሽ ወለዶ ምትሕልላፍን ካብ ዕላማታት ማሕበር ሰለ ዝኾነ ኣብ መጻኢ ካብ ዝዕመም ስራሕት ምዃኑ ተሓቢሩ። ጉብኤኛታት ከኣ ሓደ ንኹሉ ዝጥርንፍ ማእከል ምርካብ ጻዕሪ ክግበረሉ ተላብዮም። ድሕሪ ጉብኤ ናይ ድራርን ወግዕን ጊዜ ቀጺሉ ኣምስዩ።

ተሓጋጋዚ መሕበር

Last modified on Monday, 21 November 2016 17:04