ኤርትራውያን ነጋዶ ኣብ ሱዳን ክድረቱ ይግደዱ ኣለዉ

2016-11-16 20:47:09 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2797 times

ኤርትራውያን ነጋዶ ኣብ ሱዳን ክድረቱ ይግደዱ ኣለዉ:

ኣብ ሱዳን እንዳነበሩ ናብ ኤርትራ እንዳተመላለሱ ንግዳዊ ስረሓት ከካይዱ ዝጸንሑ ኤርትራውያን፡ ንኤርትራ ገዲፎም ኣብ ሱዳን ክድረቱ ይግደዱ ከም ዘለዉ ካብ እሙን ምንጭታት ሰልፊ ዝተረኽበ ሓበሬታ ገሊጹ። እዞም ኤርትራውያን ነዚ ውሳነ ዝወሰኑ፡ ዋላ’ኳ እቲ በብኹርናዑ ዝኹነን ዘሎ 2% ይኸፍሉ እንተነበሩ መንግስቲ ህግደፍ ነቲ ናብ ሱዳን ምምልላሶም “ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት መህደሚ ኢኹም ትጥቀምሉ ዘለኹም” ብዝብል ስስዐ ናብ ሱዳን ከይከዱ ስለ ዘጠቀቐቖም እዮም።

እዞም ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ንግዳዊ ንብረቶም ክሸጡን ከመሓድሩን እቲ ስርዓት ዕድል ከም ዘይህቦም ስለ ዝተረድኡ ድማ ራሕሪሐምዎ ይኸዱ ከም ዘለዉ እቲ ሓባሬታ ብተወሳኺ ገሊጹ። እዚ ስጉምቲ ሓደ መርኣያ ናይቲ ስርዓት ህግደፍ ኩሉ ምንቅስቓሳት እንተላይ ንግዲ ናይ ምግባት ዝጸንሐ ባህሪኡ ዘርኢ እዩ

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰህኤ

******************

Last modified on Wednesday, 16 November 2016 21:53