ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ ኮንፈርንስ ሰላምን ፍትሕን ምሕዝነት ገስገስቲ ተሳቲፉ

2016-10-20 08:06:32 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3235 times

ልኡኽ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰህኤ) ኣብቲ 17-18 ጥቅምቲ 2016 ኣብ ብሩሰልስ ዝተኻየደ፡ ብሓድሽ ኣጀንዳ ሰላምን ፍትሕን ከምኡ እውን ምምዕባል ርትዓዊ ፖሊሲ ስደተኛታት ኣብዛ ዓለም ዝዘተየ ኮንፈረንስ ተሳቲፉ። እዚ ኮንፈረንስ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ብዘለዉ ማሕበራውያንን ደሞክራስያውያንን ኣካላት እዩ ተዳልዩ።

 

ኣብዚ ካብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም 160 ልኡኻት ዝተረኽብሉ ኮንፈረንስ ካብ ሰህኤ ዝተሳተፉ ናይቲ ሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያትን ገንዘባዊ ጉዳያትን ኣቶ ወልደየሱስ ዓማርን ኣቶ ረዘነ ተስፋጼንን እዮም።

 

እቶም ዝተሳተፉ 51 ሰልፍታትን 17 ተደጋገፍቲ ኦድባትን ኮንፈረንሶም ኣብ ከተማ ብሩሰልስ ኣብ ዝርከብ ኣደራሻት ሕብረት ኢውሮጳ እዮም ኣካይዶም። መብዛሕትኦም ተሳተፍቲ ኣብ ሃሃገሮም  ንዘለዉ ሓገግቲ ኣካላት ወኪሎም ዝመጹ እዮም። ብዘይካ ካብ ኤርትራ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዓሰርተ ልኡኻት ማለት ካብ፡ ማሕበራዊ ደሞክራሲያዊ ሰልፍታት፡ ካሜሩን፡ ግብጺ፡ ኬንያ፡ ቱኒስያ፡ ዚምባብወን ካሎት ሃገራት ማእከልይ ኣፍሪቃን ተሳቲፎም።

Microsoft Word EPDPTakesPartinProgressiveAllianceConferenceT 2

ኣብቲ ኮንፈረንስ ኣዝዩ ሓያል መደረ ካብ ዘቕረቡን ኣገዳሲ መልእኽት ካብ ዘመሓላለፉን እዞም ዝስዕቡ ነይሮም። ኣቶ ማርቲን ስችሁልትዝ፡ ፕረሲደንት ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ወ/ሮ ፈደሪካ ሞርገሪኒ ላዕለወይቲ ወኪል ፖሊሲ ጉዳያት ወጻእን ጸጥታን ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣቶ ሰርገይ ስታኒሸቭ ናይ ሰልፊ ኤውሮጳዊ ሶሻሊስት ፕረሲደንት፡ ፕሮፈሶር ጀፈረይ ሳችስ ካብ ኮሎምፒያ ዩኒቨርሲቲ፡ ዶ/ር ናቢል ሸኣትሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ፋታሕ (ፍልስጥኤም)፡ ኣቶ ሙስጠፋ በን ጃዕፈር ካብ ደሞክራሲያዊ መድረኽ ቱኒሲያን ናታ ሃገር ዕዉት ምስግጋር ቀንዲ ሃንዳሲ ነይሮም ዝበሃሉን፡ ኣቶ ጆሽ ኦሲህ ፕረሲደንት ማሕበራዊ ደሞክራሲያዊ ግንባር ካሜሩንን ኣቶ ግለይሲስ ሆፍማን ላዕለዋይ ሓላፊ ሰልፊ ዕዮ ብራዚል ይከብዎም። ነፍሲ ወከፍ መዳሪ ነቲ ኣብ ዓለምና እንዳሰፈሐ ዝኸይድ ዘሎ ሓደጋ የማናውነትን ኣኽራርነትን ኣብ ርእሲ ምጥቃሶም፡ ገስገስቲ ሓይልታት ቅልውላው፡ ሕማቕ ምምሕዳር፡ ዘይምዕሩይነት፡ ጕንጽን ካለኦት ኣዕነውቲ ሳዕቤናትን ከጽንዖ ከም ዝግበኦም ጠቒሶም።

 

እቲ መጀመርያ መዓልቲ ኣብቲ ቀንዲ ዛዕባታት ናይቲ ኮንፈረንስ ኣርባዕተ ክፋላት ኣኼባ ማዕረማዕረ ተኻይዱ። እቲ ኣርባዕተ  ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፋል ኣኼባ ብክኢላታት ዝቐረበ ዛዕባታት፡ ጐንጽታት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣድላይነት ዓለም ለኻዊ ምትሕግጋዝ ገስገስቲ ፓርላማታት፡ ገስጋሲ ኣጀንዳ ዘለዎም ሰልፍታት ናብ ስልጣን ናይ ምምጻእ ጻዕርን ጸገማት ቁጠባዊ ዘይምዕሩይነትን ብኩራት ፍትሕን እዮም።

 

ልኡኽ ሰደህኤ ብወገኑ ኣብ ኩሉ ዝረኸቦ ዕድላት፡ ኣብ ኤርትራ ይርአ ብዛዕባ ዘሎ  ኣስጋኢ ፖለቲካውን ሰብኣውን ኩነታትን እዛ ትዓኑ ዘላ ሃገር ኤርትራ ፈውሲ ክትረክብ ክግበር ብዛዕባ ዝግበኦን መብርህታት ሂቡ። እዚ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብቲ ምሕዝነት ገስገስቲ ሓይልታት ብመንጽር “ብሓድሽ ኣጀንዳ ንሰላምን ፍትሕን፡ ንጡፍ ደገፍ ነቶም ኣብ ናይ ወጽዓ ሓደጋ ዘለዉ” ብዝብል ዝተቐበሎ ሰነዳት፡ ኣዝዩ ተሓጒሱ። ካብዚ ሓሊፉ ልኡኽ ሰደህኤ፡ ናይዚ ምሕዝነት ገስገስቲ ሓይልታት መብጸዓታት ክትግበር’ዩ ዝብል ልዑል ተስፋ ኣሕዲሩ። ናይዚ ግብራውነት ዝግለጽ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ደሞክራሲያዊ ሓይልታት፡ ብምሕያል ንከምቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶራት ኣብ ኣፍሪቃ ኮነ ኣብ ዓለም ከም ዝትክኡ ብምኽኣል ዝግለጽ ምዃኑ ኣረዲኡ።

Last modified on Thursday, 20 October 2016 10:27