መግለጺ መሪር ሓዘን

2016-09-26 21:54:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2428 times

ተጋዳላይ ዑስማን ኣሕመድ መሓመድ ፡ ብዝሓደሮ ሕማም፡ ብ26 መስከረም 2016 ሰዓት 1፡00 ናይ ንግሆ፡ ኣብ ከሰላ ካብ’ዛ ዓለም ተፈልዩና። መስዋእቲ ደኺመ ዘይፈልጥ፡ ብትዕግስቱን ጠባዩን ንኡድ ተጋዳላይ ዑስማን ኣሕመድ፡ ንቤተ-ሰቡን ኣባሉ ንዝዀነ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዓቢ ክሳራ ኢዩ። ስለ’ዚ ድማ’ዩ ሰዲህኤ ብመስዋእቲ ተጋዳላይ ዑስማን ኣሕመድ መሪር ሓዘንን ስንባደን እተሰምዖ።

 

ስውእ ዑስማን፡  ነፍሱ ይምሓር፡ ኣብ 1956 ..  ኣብ እምባደርሆ ተወሊዱ።ወዲ ዕስራ ዓመት እንከሎ ድማ፡ ግንቦት 1976 ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ንኽጋደል ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ተሰሊፉ። ኣባል በጠሎኒ 669 ኢዩ ነይሩ። 1978 .፥ ተሓኤ ሓራ ዘውጻአን ከተማታት ንምሓዝ ብደርጊ ዝተኻየደ ዳግመ-ወራር፣ ኣብ መረብ ድሕሪ ናይ ወርሕን ፈረቓን ዝወሰደ ምክልኻልዓድ ዃላን መንደፈራን ሒዙ ንዓረዛ ክወርድ እንከሎ ኢዩ ስውእ ዑስማን ኣብ ዓደ-በዛ ተወጊኡ።

ስውእ ዑስማን፡ ኣብ ርእስ’ቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት እተኻፈሎምውግኣት ዘጋጠሞ መቝሰልቲ፡ እቲ ዝኸበደ ንየማናይ ኢዱ፡ ካብ መንኵቡ ዝፈለየ ውግእ ማይ ምነ ኢዩ ነይሩ። ምስ’ዚ ኵሉ ግን፡ ካብ ቃልስን ገድልን ጠሪሱ  ተፈልዩ  ኣይፈልጥን ኢዩ።  ዋላ ኣብ’ዚ ዳሕረዋይ ዓመታት፡ ብሕማም ናይ ክልቲአን ከላሊቱ ይሳቐ እኳ እንተነበረ፡  ኣብ ገድላውን ማሕበራውን ዕማማቱ ፈጺሙ ጕድለት ኣየርኣየን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ወድሸሪፈይ ከም ኣባል ምምሕዳርን መምህርን፡ ኣብ መደበር ኣካለ-ጽጉማን ከም ኣባል ምምሕዳርን ኣላዪን፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ሰዲህኤ  ጽፍሕታት ድማ፡ ከም ኣባል ምምሕዳርን ሓላፍን ኰይኑ ከይሰልከየ ብተወፋይነት ከገልግል ጸኒሑ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኣብ’ቲ ዝነብረሉ ከባቢ ካብ’ቶም ቀዳሞት ተጠቐምቲ ኤለክትሮኒካዊ ሚድያ እውን ኢዩ ነይሩ።

 

ሰዲህኤ፡ ንመዋቲ መንግስተ-ሰማይ፡ ንቤተሰቡን መቓልስቱን ድማ እግዚኣብሄር ጽንዓትን ጠልን የውርደልኩም እናበለ፡ ናይ ወሪድኩም ዘሎ መሪር ሓዘን ተኻፋላይ ምዃኑ ይገልጽ።

 

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

26 መስከረም 2016

Last modified on Tuesday, 27 September 2016 13:10