ደምዳሚ መግለጺ 7ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

2016-09-20 20:48:50 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2995 times

7th cc meeting 1

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብተኸታታሊ ከካይዶ ንዝጸንሐ 7ይ ዓመታዊ ስሩዕ ኣኼባኡ ብ18 መስከረም 2016 ዛዚሙ። ማእከላይ ባይቶ ኣብ ኣኼባኡ ናይ ኩለን ኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ጸብጻባት ብጽሞና ሰሚዑ፡ ምስቲ ቅድሚ ዓመት ተሊመንኦ ዝነበራ መደባት ብምንጽጻር ድማ: ኣድላዪ ክትዓትን ዝርርብን ድሕሪ ምክያድን ንዝቐረበሉ ጸብጻባት ኣድላዪ ምትዕርራያት ድሕሪ ምግባርን ከም ሕጋዊ ሰነድ ሰልፊ ኣጽዲቕዎን ናብ ህዝብን ኣባላት ሰልፍን ክዝርጋሕ ወሲኑን። ኣብዚ ጸብጻብ ተመርኲሱ ድማ ብዛዕባ ኣገደስቲ ሰልፋዊ ውሽጣዊ ኩነታትን ኤርትራውን ከባቢያውን ሃለዋትን መዚኑን ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣሕሊፉን።

ኣኼባ ኣብ ልዕሊ’ቲ ንጥፈታት ነፍሲ ወከፍ ቤ/ጽ፡ ኣብ ሚዛኑ ቆላሕታ ካብ ዝሃቦም ዛዕባታት ሓደ፡ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መላኺ ጉጅለ ህግደፍ ዝነብሮ ዘሎ ኣሰቃቒ ሃለዋት፤ ጌና ህጹጽ ፍታሕ ዘድልዮ ምዃኑ ኣስሚርሉ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት እንዳገደደ ምኻዱ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታትን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ሓቢእዎ ክኸይድ ዝጸንሐን ዝደልን ገበናት፡ ብፍላይ ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ምቅላዕ ዝጻወትዎ ዘለዉ ግደ ተስፋ ዝህብን ክሳብ ዓወት ክድፈኣሉ ዝግበኦን ምዃኑ ባይቶ መዚኑ።

ብመንጽር እቲ ህጹጽ ፍታሕ ዘድልዮ ኤርትራዊ ኩነታት፡ ናይ ለውጢ ሓይልታት ከምቲ ትጽቢት ዝተነብረሎም ክኾኑ ዘይምኽኣሎም’ውን ኣኼባ ተገንዚቡ። ካብዚ ንምውጻእ ሰልፍና ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ፍልልያቶም ኣመሓዲሮም፡ ኣብቲ ዘሰማምዖም ብሓባር ዝስለፍሉ ኩነታት ንምጥጣሕ ሰዲህኤ ትጽቢት ዝግበረሉ ዕማም ንምፍጻም ክጽዕት ምዃኑ ወሲኑ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ፡ ማእከላይ ባይቶ፡ ንኹሎም ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ በርገሳውያን ማሕበራትን ግዱሳት ውልቀሰባትን፡ ኣንጻር መላኺ ኣተሓሳስባ ህግደፍ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ነናቶም ኣበርክቶ ከወፍዩን ይገብርዎ ንዘለዉ ጻዕሪ ቀጻሊ ንክኸውን ጸዊዑ።

ማእከላይ ባይቶ፡ ብመሰረት’ቲ ንሓፈሻዊ ኩነታት ሃገርናን ከባቢናን ብዝምልከት ዝበጽሖ ገምጋም፡ ረብሓ ህዝብና ብከባቢያዊ ርግኣት ዝረጋገጽ ክነሱ፡ እቲ ስርዓት ህግደፍ ብዘይኣፍልጦ ህዝብን ቅዋማዊ መወከስን ዝገብሮ ዝምድናታት ሓደገኛ ምዃኑ ገምጋሙ ብምሕዳስ:፡ እቲ መሰረታዊ ፍታሕ ህዝቢ ዝፈልጦን ብተሳትፎ ናይ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ጻዕርን ቃልስን ዝረጋገጽ ምዃኑ ይኣምን። ነዚ ንምትግባር ከኣ ዝተወሃሃደ ሓባራዊ ቃልሲ ናይ ኩሉ ደላይ ለውጢ ወሳኒ ስለዝዀነ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉ ዝከኣሎ ከበርክት ምዃኑ ደጊሙ ኣረጋጊጹ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ምስ ስርዓት ህግደፍ ዝስለፉን ዝደናገጹን ዘለዉ ወገናትና፡ ረብሓኦም ምስ ረብሓ ህዝቢ እምበር፡ ምስ ጉጅለ ኢሳያስ ከምዘይኮነ ተገንዚቦም፡ መሳርሒ እቲ ጉጅለ ዘይኮነስ: ዋልታ ህዝቦም ንክኾኑ ባይቶ ተማሕጺኑ።

7ይ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ተረኽቦታት ብዝምልከት ድሕሪ ምዝርራብ፡ ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ኣብ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ዘለዎ ጽልዋ ኣብ ግምት ብምእታው፤ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ሃገሮም ዝረኤ ዘሎ ምዕብልናታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ርግኣትን ከስፍንን ከባቢያዊ ርግኣት ከውሕስን ብዘኽእል ሰላማውን ዲሞክራስያውን ኣገባብ ክፈትሕዎ ትጽቢቱ ምዃኑ መዚኑ፡፡

ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም፡ ኣብ ስደት ኮነ ኣብ ጉዕዞ ናብ ስደት ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለምና ንዝጋጥሞም ዘሎ ዘስካሕክሕ ኩነታት ንምስዓር ሓያል ቃልሲ ከም ዝሓትት ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ መዚኑ። ምስ'ዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ገዛእ ሃገሮም ብሰንኪ ደረት ዘይብሉ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ዝጉልባቡ ባርነት፥ ከምኡ'ውን፥ ፖለቲካውን ሰብኣውን ጸገማትን ተደሪኾም፡ ናብ’ቲ መሰረታዊ ፍታሕ ዘይኰነ ስደት ኣብ ዘምርሕሉ እዋን ግዳይ ዝተፈላለየ ጸገማት ዝዀንሉ ዘለዉ ኵነታት ንምፍታሕ ምስ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ከም ወትሩ ክሰርሕ ሰልፍና ቅሩብ ምዃኑ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ኣረጋጊጹ። መንእሰያት ከምቲ ጀሚረምዎ ዘለዉ ቀንዲ ኣካል ናይቲ ፍታሕ ክኾኑ ከኣ ጸዊዑ።

ማእከላይ ባይቶ፥ ኣገዳሲ ዳህሳስ የድልዮም’ዩ ንዝበሎም ጉዳያት ዘጽንዓ ሽማግለታት መዚዙ። ብመሰረት ቅዋም ሰልፊ ዘሰከሞ ሓላፍነት፡ ንባይቶን ፈጻሚት ሽማግለን ዝመርሕ ኣቦ-መንበርን ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለን ብደሞክራሲያዊ መንገዲ መሪጹ። ብዘይካዚ ኣኼባ ባይቶ ንፈጻሚ ሽማግለ መምርሕን ለበዋታትን ከቕርብ እንከሎ፡ ኣባላት ሰልፍን ደገፍቱን ቀጻልነትን ሓያልነትን ሰልፊ ንምርግጋጽ ከካይድዎ ንዝጸንሑ ቃልሲ ኣመጒሱ ንመጻኢ’ውን ጻዕሮም ክሳብ ዓወት ክቕጽልዎ ጸዊዑ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፥ ነቶም ብኮሚሽን ምርመራ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝተለለዩ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት፡ እንተላይ እቶም ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከኽስሱ ዝኽእሉ ጸብጻባትን ለበዋታትን ግቡእ ምክትታል ክግበረሎምን ነቶም ፈጸምቶም ድማ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝገበሮ ምሕጽንታ ብምዝካር፡ 7ይ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ደገፉ ገሊጹ። ብፍላይ ከኣ ሕብረት ኣፍሪቃ ብመሰረት ውሳኔ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ን25 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ክግሃድ ዝጸንሐ ከቢድ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ፍትሓዊ መደምደምታ ክረኽበሉ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ብትሪ ተማሕጺኑ።  

ማእከላይ ባይቶ ሰደህኤ

18 መስከረም 2016

Last modified on Tuesday, 20 September 2016 23:01