መግለጺ ሰዲህኤ ብኣጋጣሚ 18 መስከረም

2016-09-17 21:34:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2899 times

18 መስከረም 2011፡ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ነቲ ኣብ ኣመሪካ ብ11 መስከረም 2011 እተወስደ ናይ ራዕዲ ተግባር ዝፈጠሮ ሕንፍሽፍሽ ተጐልቢቡ፡ ዓለም ኣቓልቦኣ ኣብ ካልእ እንከሎ፡ ነቶም ቅዋም ኣብ ግብሪ ክውዕልን ግዝኣተ-ሕጊ ክነግስን ዝጠለቡ 15 ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ህግዲፍን ነቲ ተረኽቦታት ዘቃልሑ ጋዜጠኛታትን ኣብ ቀይዲ ዘእተወላ ጸላም ዕለት ኢያ። ስርዓት ኢሳያስ፡ ነዚ ስጕምቲ’ዚ ክወስድ እንከሎ፡ ብሓደ እምኒ ብዙሓት ኣዕዋፍ ምቕታል ዝብል ምስላ ተተርኢሱ ምዃኑ ንምርዳእ ዘጸግም ኣይኰነን።

እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተባርዐ ናይ ዶብ ውግእ፡ ብውሳኔ ባይቶ ኤርትራ ወይ ካቢነ ኤርትራ ዘይኰነስ ብውሳኔ ፕረሲደንት ኢሳያስ ምንባሩ ሎሚ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኰይኑ ኢዩ። ኮሚሽን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን እንተዀነ እውን፡ ሓላፍነት ናይ ውግእ ምብራዕ ንስርዓት ኢሳያስ ኢዩ ኣሰኪምዎ። ከምኡ’ውን ስርዓት ኢሳያስ፡ ነቲ ብመንግስቲ ኣመሪካን ሩዋንዳን ይኹን ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝቐረበሉ ናይ ዕርቂ እማመ ተሓሲሙ፡ ኣብ ውግእ ምስ ተሳዕረ ኢዩ ነቲ ናይ ኣልጀርስ ዕርቂ ክቕበል ዝተገደደ። ነዚ ፍሽለት’ዚ ንምሽፋን ኢዩ እምበኣር ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ነቶም ናብ ስልጣን ዘብጽሕዎ ናይ ቃልሲ ብጾቱ ብኽሕደት ክኸሶም ዝወሰነ። ብዙሓት ግሩሃት እውን በዚ ኣበሃህላ’ዚ ተደናጊሮም ኢዮም።

ብኻልእ ሸነኽ፡ ነዞም ቅዋም ክትግበርን ግዝኣተ-ሕጊ ክነግስን ዝሓተቱ ብጾቱ፡ ውዒሎም ሓዲሮም ንስልጣነይ ሓደጋ ክዀኑ ኢዮም ካብ ዝብል ስግኣት ተበጊሱ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣትዉ ገይሩ። ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ካብ ዝኣተዉሉ ዕለት ኣትሒዞም ክሳብ ሎሚ፡ 15 ዓመታት ማለት ኢዩ፡ ብዘይ ክስን ብዘይ ፍርድን ኣብ ማእሰርቲ ከምዝበልዩን ከምዝሞቱን ዝገብር ዘሎ ስርዓት ኢዩ። ቤተ-ሰቦም፡ ጠበቓታቶምን ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተጣበቕትን ክርእይዎምን ክረኽብዎምን እውን ኣይፈቅደን ኢዩ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ብሃይማኖታዊ ይኹን ፖለቲካዊ እምነቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ በሽሓት ዝቝጽሩ ኤርትራውያን ኣለዉ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ኵሎም ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እሱራት ብዘይ ውዓል ሕደር ክፍትሑ ይጽውዕ።

ኮሚሽን ሕቡራት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ንዘቕረቦ ጸብጻብ ደገፉን ናእዳኡን ይገልጽ። ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ነዚ ሒዝዎ ዘሎ ዕማም ኣብ መፈጸምታኡ ንኸብጽሖ ከይተሓለለ ክሰርሕ ድማ ይምሕጸን።

እቶም ብዝተፈላለየ ምስምስ ምስ’ዚ ስርዓት’ዚ ዝተሓባበሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ይኹኑ ወጻእተኛታት፡ ንውሳኔታቶም ዳግማይ ርእይቶ ክገብርሉን ኣብ ጐድኒ ጭቍን ህዝቢ ኤርትራ ደው ክብሉን ይጽውዕ።

ምልኪ ይደምሰስ፡ ፍትሒ ይንገስ

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

17 መስከረም 2016

Last modified on Saturday, 17 September 2016 23:36