ስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝፈጸሞ ገበናት ናብ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተመሓላሊፉ፤ ዕድመ ፍልይቲ ሽማግለ ድማ ተናዊሑ።

2016-07-01 21:45:40 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 7787 times

ኣብቲ ብ1 ሓምለ 2016 ዘካየዶ ኣኼባ፡ እቲ 47 ዝኣባላቱ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ንኤርትራ ዝምልከት ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቐረበ ጸብጻብን ውሳነ ሓሳብን ንኣድላይን ተመታጣኒ ስጉምቲ ኣንጻር ገበን ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣመሓላሊፍዎ። እቲ ስጉምቲ ነቶም ካብ 1991 ጀሚሮም ኣንጻር ሰብኣዊ መሰል ክፍጸም ብዝጸንሓ ገበን ዝሕተቱ ሰብ መዚ ኤርትራ ዝምልከት እዩ። ብዘይካዚ ናይታ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ክትከታተል ዝጸንሐት ኣካል ዕድመ ንሓደ ዓመት ክናዋሕ ወሲኑ።

እቲ ውሳነ ነቲ ኣብቲ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብእዊ መሰል ኤርትራ ዝተጠቕሰ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን፡ ስልታዊ፡ ጃምላውን ሰፊሕን ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰል ብትሪ ኮኒኑ።

እዚ ብልኡኽ ሶማልያን ካልኦት 11 ልኡኻትን ተነዲፉ ዝቐረበ ንድፊ ውሳነ ብዘይ ምድማጽ እዩ ሓሊፉ። ኣብቲ መስርሕ ናይ ሓሙሽተ ሃገራት ልኡኻት ኣብቲ “እቲ ውሳነ ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ወሲኽካ፡ ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክቐርብ” ዝብል ዓንቀጽ ዘለዎም ዕቃበ ኣመዝጊቦም። እቶም ነዚ ዕቃበ ዘመዝገቡ ልኡኻት ናይ ቦልቪያ፡ ቺና፡ ኩባ፡ ኢኳዶርን ሩስያን እዮም።

ልኡኽ ኔዘርላንድስ (ሆላንድ) ንሕብረት ኤውሮጳ ወኪሉ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ነቶም ነቲ ንድፊ ውሳነ ዘቕረቡ፡ ነቲ ንካለኦት ልኡኻት ንምርዳእ ዝገብርዎ ጻዕርን ልኡኽ ኤርትራ ነቲ ሒዝዎ ዝነበረ ንድፊ ንክገድፎን ንዝገበርዎ ኣበርክቶን ንኢዱ። እዚ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቃል፡ ልኡኻት ኣፍሪቃ ነቲ ውሳነ ዝያዳ ኣብ ምትራሩ ሓገዝቲ ከም ዘይነበሩ ኣይሓብአን። መራሒ ልኡኽ ኤርትራ የማነ ገብረኣብ፡ ነቲ ውሳነ ዘይፍትሓዊ ብዝብል ብትሪ ኮኒንዎ።

Last modified on Friday, 01 July 2016 23:53