ዓመታዊ ጉባኤ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ጨንፈር ቁ.2 ሃገረ ሽወደን ብዓወት ተሳላሲሉ።

2016-06-07 09:18:05 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2705 times

ብዕለት 05 ሰነ 2016 ዓ.ም.ፈ. ጉባኤ ዓመት 2015 / 2016 ጨንፈር ቁ. 2 ሃገር ሽወደን ካብ ሰዓት 19.00 ክሳብ 23.00 ብመራኸቢ ብዙሓን ፓቶልክ ብምልኣተ ሃለዋት ኣባላትን ኣቦ ወንበርን ተሓዝ ገንዘብን ጨንፈር ቁ. 1 ሰዲሃኤ ዝተሳተፍዎ ብልዙብ ኣገባብ ተሳላሲሉ። ሰክረታርያ ጉባኤ ድሕሪ ምምራጽ ብኣካያዲ ሽማገለ ዝቀረበ ስሪዒታውን ገንዘባዉን ጸብጻባት ቀሪቡ ኣገዳሲ ክትዕ ድሕሪ ምክያድ ብሙሉእ ድምጺ ረጊኡ። ቀጺሉ ብሓጻይት ሽማገለ ዝቀረቡ ሕጹያት ቀረቦም ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ንዓመተ 2016/2017 እትመርሕ ሽማገለ መሪጾም ብኣገደስቲ ሃነጽቲ ለዋታትን ምስጋና ንዝነበረት ኣካያዲት ሽማገለን ተዋሂቡ ጉባኤ ብዓወት ተዛዘሙ።

Last modified on Tuesday, 07 June 2016 11:21