ህዝቢ ስዊስ ኤርትራ ናይ ህዝባ ቤት ማእሰርቲ ምዃና ክጠራጠር የብሉን

2016-02-26 14:47:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 10610 times

እቶም ኣብዚ ቀረባ ግዜ ካብ ስዊዘርላንድ ናብ ኤርትራ ዝገሹ ናይ ስዊስ ፖለቲከኛታት፡ ስዊስ ብዝመበቆሉ ናይ ኤርትራ ኮሚኒቲ ዝተዓደሙን ዝተሰነዩን ኮይኖም ኣርባዕተ ካብ የማናዊ ክንፊ ሰልፍታት ዝተዋጸኡ ምዃኖም ናይ ኤርትራዊ ሕጊ ምሁር ዶ/ር ዳንኤል ረዘነ መኮርነን 24 ለካቲት 2016 ንዝተሓትመ ፍረንች ደይሊ ትሪቡን ዲ-ጀነቫ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ሓቢሮም። ንሶም ከም ዝበልዎ እዚ ናብ ኤርትራ ዝገሸ ኣካል ካብተን ዝያዳ 300 ዝኾና ብቤተሰብ እሱራት ኮነ ብኮሚተ ቀይሕ መስቀል ዓለም ተበጺሐን ዘይፈልጣ ኣብያተ ማእሰርቲ ዋላ ናብ ሓንቲ’ውን ኣይበጸሐን።

 

እዞም ኤርትራዊ ናይ ሕጊ ጠበቓ ኣተሓሒዞም፡ ኤርትራ ህዝቢ ኣብ ፍርሕን ስግኣትን ዝነብረላን፡ ኣሸሓት ዝፈጸምዎ ገበን ከይፈለጡን ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡን ዝሓቁላን ሃገር እያ ኢሎም። ኣተሓሒዞም ድማ፡ ኩነታት ኣተሓሕዛ እሱራት ኣብ ኤርትራ ጸረ-ሰብኣውነት ምዃኑን ኮለነልን ካብኡ ንላዕልን መዓርግ ዘለዎም ወተሃደራዊ መኮነናት ከም ድላዮም ሰባት ዝርሽንሉ ከም ዝኾነ ኣብሪሆም።.

 

 

ዶ/ር ዳንኤል ስለምንታይ ህዝቢ ንኤርትራ ራሕሪሑ ከም ዝወጽእ ከብርሁ እንከለዉ፡ ብኩራት ፍትሓዊ ምሕደራ፡ ግህሰት መሰረታዊ መሰላትን “ማፍያዊ” ክበሃል ዝከኣል ግዱድ ናይ ጉልበት ምዝመዛን ደረት ዘየብሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ዝርከብዎ ዝርዝር ምኽንያታት ጠቒሶም።

 

“ስለምንታይ እዩ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታተርያዊ ጉጅለ ህዝቢ ዝድግፎ፡ ንመጻኢኸ ናባይ ገጹ እዩ ክምዕብል?” ንዝብል ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ድማ፡ እዞም ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ዝነጥፉ ናይ ሕጊ ምሁር፡ ኤርትራውያን ፈተውቲ ሃገሮም’ዮም፡ በዚ መሰረት ኣብቲ መጀመርያ ነዚ ጉጅለ ከም መምጽኢ ነጻነት ገይሮም ይወስድዎ ነይሮም። ቅድሚ 15 ዓመታት ኣነ እውን ነቲ ፕረሲደንት ከም ጀግናና ገይረ እየ ዝርእዮ ነይረ። እንተኾነ ሎሚ እቲ ኩነታት ተቐይሩ እዩ። ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ደላይ ለውጢ እዩ። ኣብ ዝሐለፈ ዓመት ኣስታት 5,000 ኤርትራውያን ኣብ ጀነቫ ዘካየድዎ ሓያል ናይ ተቛውሞ ሰልፊ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻርቲ ኣብ ኣስመራ ዓሪዱ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ምዃኑ ዘመልክት እዩ ኢሎም።

Last modified on Friday, 26 February 2016 15:50